Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 9:25 - መፅሓፍ ቅዱስ

25-26 “ኵላቶም ኣህዛብ ኣይተገርዙን፤ ኵሎም ቤት እስራኤልውን ልቦም ኣይተገርዘን እዩሞ፥ እንሆ ንዅሎም ግሩዛት ንግብፅን ይሁዳን ኤዶምያስን ኣሞንን ሞኣብን፥ ነቶም ፀጕሮም ወሰና ወሰን ዝላፅዩ፥ ኣብ ምድረ በዳ ዝነብሩ ዅላቶምን፥ ብዘይ ምግራዞም ዝቐፅዐለን መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 9:25
17 Referencias Cruzadas  

ንኸተማታት ዴዳን ቴማን ቡዝን፥ ነቶም ፀጕሮም ወሰና ወሰን ዝላፅዩ ዅሎምን፥


ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን፥ ብሰንኪ ኽፍኣት ግብርኹም፥ ቍጥዓይ ከም ሓዊ ኸይነድድ እሞ፥ ሓደ እኳ ኸጥፍኦ ኸም ዘይኽእል ኮይኑ ሃልሃል ከይብልስ፥ ንእግዚኣብሄር ተገረዙ፤ ናይ ልብኹም ሸለፈትውን ኣወግዱ።”


“ኣግማሎም ክዝመቱ፥ ኵለን መጓሰኦም ክማረኻ እየን። ንዅሎም እቶም ወሰና ወሰን ፀጕሮም ዝላፅዩ ሰባት፥ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ምድሪ ኽብትኖም እየ። ብዅሉ ወገን ድማ መዓት ክሰደሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ኣነ ተዛሪበ እየ እሞ፥ ንስኻ ኸምቲ ኣማውታ ዘይግሩዛት፥ ብኢድ ጓኖት ክትመውት ኢኻ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”


እምበኣርከስ “ብኽብረትን ዕቤትን፥ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ኤደን፥ ንመን ኢኻ እትመስል? ከምኡ ኸዓ ንስኻ ምስተን ኣእዋም ኤደን፥ ናብ መዓሙቝ ምድሪ ኽትድርበ ኢኻ፤ ኣብ ማእኸል እቶም ዘይተገዝሩ፥ ኣብ ማእኸል እቶም ሰይፊ ዝቐተሎምውን ክትድቅስ ኢኻ፤ እዙይ ፈርዖንን ኵሎም ህዝቡን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።


እንጀራን ስብሕን ደምን ክተቕርቡ እንተለኹም፥ ንቤተይ ከርክስዋስ ነቶም ልቦም ዘይተገርዘ፥ ስጋኦምውን ዘይተገርዘ ጓኖት፥ ናብ መቕደሰይ ኣእቲኹምዎም ኢኹም እሞ፥ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ርኽሰትኩም ኪዳነይ ኣፍረሱ።


ፀጕሪ ርእስኻ ዙርያኡ ኣይተሕፅር፤ ፅሕምኻ እውን ዙርያኡ ኣይትቝረፅ።


ኣነ እግዚኣብሄር ከዓ ተፃረርክዎም፤ ናብ ምድሪ ፀላእቶምውን ኣእተኹዎም። ሽዑ እቲ ዘይግሩዝ ልቦም እንተ ኣዋረዱ፥ ቅፅዓት ሓጢኣቶም እውን እንተ ተቐበሉ፥


“ኣነ ኻብ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ንኣኻትኩም ንበይንኻትኩም ፈለጥኩኹም፤ ስለዙይውን ብሰንኪ ዅሉ ሓጢኣትኩም ክቐፅዐኩም እየ።”


ብዝረአ ኣይሁዳዊ ምዃን፥ ኣይሁዳዊ ኣይትገብርን እያ፤ እታ ብዝረአ ኣብ ስጋ እትግበር ግርዘትውን፥ ግርዘት ኣይኮነትን።


ኣይሁዳዊ ማለት፥ እቲ ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ዝኾነ እዩ እሞ። ግርዘት ከዓ፥ ብሕጊ ዘይኮነስ፥ እታ ብመንፈስ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልቢ እትግበር ግርዘት እያ። ከምዙይ ዝመሰለ ሰብ፥ ናእዳኡ ኻብ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካብ ሰብ ኣይኮነን።


ዮናታን ድማ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ “እግዚኣብሄር ብብዙሓት ኮነ ብውሑዳት ገይሩ ኸድሕን ይኽእል እዩ እሞ፥ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ይሕግዘና ይኸውን፥ ንዓናይ፥ ናብ ጭፍራ እዞም ዘይግሩዛት ሰባት ንሳገር” በሎ።


ዳዊት ድማ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት “እዝ ዘይግሩዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ፤ ንሰራዊት ህያው እግዚኣብሄር ዘባጩ ዘሎ እንታዋይ እዩ? ነዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ቀቲሉ ኻብ እስራኤል ውርደት ንዘርሕቕ ሰብኣይከ እንታይ ክግበረሉ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos