2 ህዝበይ ኵላቶም ዘመውትን፥ ጉባኤ ጠለምትን ኮይኖም እዮም እሞ፥ ንህዝበይ ክሓድጎም፥ ካብኣቶምውን ንኽፍለስ ኣብ ምድረ በዳ መሕደሪ ኣጋይሽ መን ምሃበኒ!
ኣእዳውኩም ብደም፥ ኣፃብዕትኹም ብበደል ረኺሰን ኣለዋ፤ ከናፍርኩም ሓሰት ይዛረባ፥ ልሳንኩምውን ክፍኣት ይናገር ኣሎሞ።
“ኦ እግዚኣብሄር፥ ምሳኻ ብዝማጐተሉ ጊዜ፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤ ምስ ናይ እዙይውን፥ ስለ ፍርዲ ምሳኻ ኽናገር እደሊ ኣለኹ፥ መንገዲ ኸዳዓትስ ንምንታይ ይሳኻዕ?
እንሆ፥ ኣሕዋትካን ቤት ኣቦኻን እኳ፥ ጠሊሞሙኻ እዮም፤ ኣፎም መሊኦም ድማ፥ ደድሕሬኻ ይጭድሩ ኣለዉ፤ ስለዙይ ብጥዑም ቃል እንተ ተዛረቡኻውን ኣይትእመኖም።”
ብልብኺ ድማ “ስለ ምንታይ እዙይ ወረደኒ?” እንተ በልኪ፥ ብሰንኪ ብዝሒ ሓጢኣትኪ እዩ፥ ዘፈር ክዳንኪ ዝተቐልዐ ዳንጋኺውን ዝተገፈፈ።
እታ ምድሪ ብኣመንዝራታት መሊኣ ኣላ፤ ካብ መርገም ዝተልዓለ እታ ምድሪ ትበኪ ኣላ፤ መጓሰዪታት በረኻ ነቐፁ፤ ኣካይዳኦም ክፉእ እዩ፤ ብርተዐኦምውን ቅኑዕ ኣይኮነን።
“ህዝበይ ዓያሹ እዮም እሞ ንኣይ ኣይፈልጡንን፤ ድንዙዛት ደቂ እዮም፤ ምስትውዓልውን የብሎምን። ክፉእ ንምግባር ጥበበኛታት እዮም፤ ሰናይ ምግባር ግና ኣይፈልጡን እዮም።”
ኣብ መንገድታት ኢየሩሳሌም ዙሩሞ፥ ረአዩን ተመልከቱን፤ ኣብ ዕዳጋታታ ኸዓ ድለዩ፤ ሓደ፥ እወ ሓደ እኳ ፍትሒ ዝገብር፥ ሓቂ ኸዓ ዝደሊ እንተ ረኸብኩም፥ ኣነውን ክምሕራ እየ።
ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን፥ ፈፂሞም ጠሊሞምኒ እዮም እሞ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“ህያው እግዚኣብሄር” ኢሎም እኳ እንተ መሓሉ፥ ማሕላኣቶም ሓሰት እዩ።
መርገምን ሓሰትን ቅትለትን ስርቅን ዝሙትን በዝሐ፤ ደም ምስ ደም ተሓዋወሰ።
ድቓላታት ደቂ ወሊዶም እዮም እሞ ንእግዚኣብሄር ጠለሙ፤ ሕዚ ድማ ሓደ ወርሒ ንኣኣቶምን ንርስቶምን ክበልዖም እዩ።
“ንሳቶም ግና ኸም ኣዳም ቃል ኪዳን ኣፍረሱ፤ ኣብ ልዕሊ እዙይውን ጠለሙኒ።
ኵላቶም ኣመንዝራታት እዮም፤ ከምቲ ሰንካቲ ዘርስኖ እቶንውን እዮም። ሰንካቲ፥ እቲ ዅሉ ዝለወሶ ብሑቝ ክሳዕ ዝበኵዕ፥ ነቲ ሓዊ እቶን ኣይቝስቍሶን እዩ።
እቶም ሃብታማታ ግፍዒ ዝመልኡ እዮም፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ሓሰውቲ እዮም፤ መልሓሶምውን ኣብ ውሽጢ ኣፎም መታለሊት እያ።
ነቢያታ ቐለልትን ተንኰለኛታትን እዮም። ካህናታ ንመቕደስ የርክስዎ፤ ኣብ ልዕሊ ሕጊ እውን ግፍዒ ፈፂሞም እዮም።
ይሁዳ ኣይተኣመነን፤ ይሁዳ ነቲ እግዚኣብሄር ዘፍቀሮ ቤተ መቕደስካ ኣርኪስዎ፤ ይሁዳ ጓል ባዕዲ ኣምላኽ ኣእትዩ እዩ፤ ኣብ እስራኤልን ኣብ ኢየሩሳሌምን ርኽሰት ተፈፂሙ እዩ፤ እዙይ ድማ ጌርኩም ኢኹም።
ንስኻትኩም፥ ስለ ምንታይ እዩ ኸዓ ትብሉ ኣለኹም? እዙይ ዝኾነ፥ ናይ ሓዳር ብፀይትኻን፥ ናይ ቃል ኪዳን ሰበይትኻን ኣታሊልካ ኢኻ እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኻን፥ ኣብ መንጎ ሰበይቲ ንእስነትካን፥ ንዘሎ ቓል ኪዳን ምስክር ስለዝኾነ እዩ።
ኣቱም ዘማውያን ነዝ ዓለም እዙይ ምፍቃር፥ ንእግዚኣብሄር ምፅላእ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ነዝ ዓለም እዙይ ዘፍቅር፥ ፀላኢ እግዚኣብሄር ይኸውን።
ኵሉ እቲ ትውልዲ እቱይ ናብ ኣቦታቱ ተኣከበ። ብድሕሪኦም ከዓ ንእግዚኣብሄርን ነቲ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብርን ዘይፈልጥ ካልእ ትውልዲ ተልዓለ።