17 ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “በኸይቲ ኣንስቲ ኽመፃ ፀውዑ፤ ንኽመፃ ናብተን ብልሓተኛታት ኣንስቲ እውን ለኣኹለን።”
ነቢይ ኤርሚያስ ንኢዮስያስ ኣልቀሰሉ፤ ኵሎም መዘምራን ሰብኡትን ኣንስትን ድማ ንኢዮስያስ ዘኪሮም ከልቅሱ እንተለዉ ኽሳዕ ሎሚ ነቲ መልቀሱ ይደግምዎ ነበሩ። እዙይ ኣብ እስራኤል ልሙድ ኮይኑ ይነብር ኣሎ። እንሆ ኸዓ፥ ኣብቲ መፅሓፍ መልቀስ ተፅሒፉ ኣሎ።
እቶም ንመዓልቲ ዝረግሙ፥ ንሌዋታን ድማ ኸንቀሳቕሱ ዝኽእሉ ይርገምዋ።
ሽዑ ንበረኽቲ ይፈርሑ፤ ኣብ መንገዲውን ድንጋፀ እንትኸውን እንተሎ፥ ለውዚ እንትዕምብብ፥ ኣንበጣውን ከም ፆር እንትኸብድ፥ ድሌት ኵሉ እንትጠፍእ፥ ሰብ ናብ ናይ ዘለኣለም መንበሪኡ እንትኸይድ፥ መልቀስቲውን ኣብ ኣደባባይ እንትዞሩ፥
“እግዚኣብሄር፥ ነቲ ዘቘጠዖ ትውልዲ፥ ደርቢይዎን ኣወጊድዎን እዩ እሞ፥ ኢየሩሳሌም፥ ፀጕሪ ርእስኺ ቘሪፅኪ ደርብዪ፤ ኣብ በረኽቲ ደዪብኪውን፥ ዋይ ዋይ እናበልኪ ብኸዪ።
ሄ። እግዚኣብሄር ከም ፀላኢ ኾይኑ፥ ንእስራኤል ወሓጦ፤ ንዅሉ ቤተ መንግስታን ዕርድታታን ኣፍረሶ፤ ኣብ ልዕሊ ጓል ይሁዳ ኸዓ፥ ሓዘንን ብኽያትን ኣብዝሐ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንጢሮስ መልቀስ ኣልቅሰላ።
እቲ ዝልቀስ መልቀስ እዙይ እዩ፤ ኣዋልድ ህዝብታት ከልቅሳላ እየን፤” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ኣቱም ቤት እስራኤል፥ እዝ ኣብ ልዕሌኹም ዘልቅሶ ዘለኹ ቓል መልቀስ ስምዑ፦
በታ መዓልቲ እቲኣ ብምስላ ኽምስሉልኩም ብፅኑዕ መልቀስውን ከልቅሱልኩም እዮም፤ “ንሳቶምውን ፈፂምና ጠፊእና ኢና፤ ነቲ ግደ ህዝበይ ይሰፍር፤ ንእኡ ዝኽልክል የለን፤ ነቲ ገራሁና ንኸዳዕተኛታት ይዕድል” ይብሉ።
ኢየሱስ ኣብ ገዛ እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ምስ በፅሐ፥ ነፋሕቲ መለኸት ሓዘንን ዋይ ዋይ ዝብሉ ህዝብን ምስ ረአየ፤
ናብ ገዛ እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ብዙሓት [ዘልቅሱን] ዝበኽዩን ዋይ ዋይ ዝብሉን ረአየ።