15 ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ነዝ ህዝቢ እዙይ ዕረ ኸብልዖ፥ መሪር ማይውን ከስትዮ እየ።
ንህዝብኻ ጭንቀት ኣርአኻዮም፤ ዘደንግፅ ወይኒ እውን ኣስተኻና።
ኣብ መብልዐይ ሓሞት ገበሩ፤ ንፅምአይውን መፂፅ ኣስተዩኒ።
ፅዋዕ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ዘይተሓዋወሰ ወይኒ መልአሉ፤ ካብዙይ ናብቱይውን ሓዋወሶ፤ ግና ሓተላኡ ኣይፈሰሰን፤ ኵሎም ሓጥኣን ምድሪ ድማ ኽሰትይዎ እዮም።
እንጀራ ንብዓት ኣብላዕኻና፤ ብመስፈሪ ኸዓ ንብዓት ኣስተኻና።
ትዕቢት ወዲ ሰብ ክዋረድ እዩ፤ ትምክሕቲ ሰብ ድማ ኸንቱ ክኸውን እዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ልዕል ክብል እዩ።
በቲ እስትንፋሱ ኣብ ኣፍንጫኡ ዝኾነ ሰብ ኣይትተኣማመኑ፤ ንምንታይከ እዩ እትቘፅርዎ?
“ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዞም ነቢያት እዚኣቶም ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ነቢያት ኢየሩሳሌም ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ርኽሰት ተባፂሑ እዩሞ፥ ዕረ ኸብልዖም እየ፤ ዝመረረ ሓሞትውን ከስትዮም እየ።”
ካብታ ንኣኣቶምን ነቦታቶምን ዝሃብክዋ ምድሪ ኽሳዕ ዝጠፍኡ፥ ውግእን ጥሜትን መቅሰፍትን ክሰደሎም እየ።”
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ በለኒ፦ “እንካ፥ እዛ ወይኒ ቝጥዓይ ዝመልአት ፅዋዕ፥ ካብ ኢደይ ውሰድ፤ ንኵሎም ነቶም ኣነ ንኣኻ ዝልእኸካ ህዝብታት ኬድካ ኣስትዮም።
እንሆ፥ ኣነ ንድሕነት ዘይኮነ ንኽፍኣት እተግሀሎም ኣለኹ። ኵላቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ዝነብሩ ሰብ ይሁዳ ኽሳዕ ዝሃልቁ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ፈፂሞም ክውድኡ እዮም።
ንህዝቢ ዔላም፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶምን ኣብ ቅድሚ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩን፥ ከም ዝርዕዱ ኽገብሮም እየ፤ መዓት ጓህሪ ቝጥዓይ ከውርደሎም፥ ክሳዕ ዘጥፍኦም ከዓ ድሕሪኦም ሰይፊ ኽሰደሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“ስለ ምንታይ ስቕ ኢልና እንቕመጥ? ተኣከቡ፤ ንዑናይ ናብተን ዕሩዳት ከተማታት ንእቶ፤ ኣብኡ ኸዓ ንጥፋእ፤ ንእኡ ስለ ዝበደልና፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሪር ማይ ክንሰቲ ሂቡና እዩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣጥፊኡና እዩ።
መሪር ኣብልዐኒ፤ ዕረውን ኣፅገበኒ።
ዛይ። መከራይን ሽግረይን፥ ምረትን ሓሞትን ዘክር።
ሲሶኺ ብፌራ ኽሞቱ፥ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ብጥሜት ክውድኡ እዮም፤ እቲ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ዙርያኺ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ ነቲ ሓደ ሲሶ ኸዓ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎ፥ ደድሕሪኣቶምውን ሰይፈይ ክመዝዝ እየ።
መዓልቲታት ምኽባብ ምስ ተፈፀመ፥ ነቲ ሲሶኡ ኣብ ማእኸል እታ ኸተማ ብሓዊ ኣንድዶ፤ ነቲ ሲሶኡ ድማ ውሰዶ እሞ፥ ኣብቲ ዙርያኡ ብሰይፊ ውቕዓዮ፤ ነቲ ሓደ ሲሶውን ኣብ ንፋስ ዝረዎ፤ ኣነ ድማ ደድሕሪኣቶም ሰይፊ ኽመዝዝ እየ።
“እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቲ ኣብ ልዕሌኹም እተንግስዎ ንጉስኩምን፥ ቅድሚ ሕዚ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ናብ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኽሰደኩም እዩ። ኣብኡ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፥ ንዕንፀይትን ንእምንን፥ ክተምልኹ ኢኹም።
እምበኣር ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ዓሌት ኮነ ነገድ፥ ሎሚ ልቡ ኻብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመልስ እሞ ኸይዱ ንኣማልኽቲ እቶም ኣህዛብ እቲኣቶም ዘምልኽ ከይህልወኩም፥ ኣባኻትኩም መርዝን መሪርን ዘብቍል ሱር ጣዖት ከዓ ኸይርከበኩም ተጠንቀቑ።
ስም እቲ ኮኸብ ከዓ “ምረት” እዩ ዝበሃል፤ ሲሶ ማያት ድማ መረረ፤ እቲ ማይ መሪር ብምዃኑውን፥ ብሰንኪ እቲ መሪር ማይ፥ ብዙሓት ሰባት ሞቱ።