14 እኳ ደኣ ብትሪ ልቦም ከምቲ ኣቦታቶም ዝመሃርዎም በዓል ንዝብሃል ጣዖት ተኸተሉ።
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሐ፤ ብልቡ ዝምነዮ ሓሳባት ድማ ዅልሻዕ ክፉእ ጥራሕ ከም ዝኾነ ረአየ።
ንሱ ምረት ደኣ የፅግበኒ ኣሎ እምበር፥ ክትንፍስ ኣይሓደገንን።
ንሳቶም ግና ነፍሲ ወከፎም፥ ብትሪ ኽፉእ ልቦም ከዱ እምበር፥ ኣይሰምዑንን ኣይተኣዘዙንውን። ስለዙይ ከዓ ነቲ ኽገብርዎ ዝኣዘዝክዎም ስለ ዘይፈፀምዎ፥ ነዝ ኣብዝ ኪዳን እዙይ ተገሊፁ ዘሎ መቕፃዕቲ ኣብ ርእሶም ኣውረድክዎ” በለኒ።
እዝ ብትረት ልቡ ዝመላለስ፥ ምእንቲ ኸገልግሎምን ክሰግደሎምን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዝኽተል፥ ንቓላተይ ዘይሰምዕ ሕሱም ህዝቢ፥ ከምዛ ኻብ ጥቕሚ ወፃኢ ዝኾነት መዕጠቒት ክኸውን እዩ።
ንስኻትኩምውን እንሆ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ብትሪ ኽፉእ ልብኹም እናተመላለስኩም፥ ካብቲ ናይ ኣቦታትኩም ዝገደደ ገበርኩም፤ ንኣይውን ኣይሰማዕኹምንን።
ከመይ ኢልኪ ኢኺ “ኣይረኸስኩን፤ ንጣዖት በዓልውን ኣይተኸተልኩን” ትብሊ ዘለኺ? ኣብቲ ለሰ ዘሎ ኣሰር መንገድኺ ተመልከቲ፤ ዝገበርክዮውን ዘክሪ፤ ንስኺ ኸምታ ኣብዙይን ኣብቱይን፥ እትፋንን ግመል ኮንኪ።
“ካህናት፥ ‘እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ?’ ኢሎም ኣይጠየቑን፤ መምህራን ሕጊ ድማ ኣይፈለጡንን፤ መራሕቲ ህዝቢ እውን ጠለሙኒ፤ ነቢያት ብስም ጣዖት በዓል ተነበዩ፤ ነቶም ከንቱ ዝኾኑ ኸዓ ተኸተልዎም።”
“ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዞም ነቢያት እዚኣቶም ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ነቢያት ኢየሩሳሌም ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ርኽሰት ተባፂሑ እዩሞ፥ ዕረ ኸብልዖም እየ፤ ዝመረረ ሓሞትውን ከስትዮም እየ።”
ከምቲ ኣቦታቶም ንጣዖት ብምምላኽ ስመይ ዝረስዑ፥ ንሳቶም ብዝነግርዎ ሕልሚ፥ ህዝበይ ስመይ ክርስዕ ዝገብሩ ዘለዉ ይመስሎም ኣሎ።
ሽዑ ኢየሩሳሌም ዙፋን እግዚኣብሄር ክትብሃል እያ፤ ኵላቶም ኣህዛብ ከዓ ብስም እግዚኣብሄር ናብ ኢየሩሳሌም ክእከቡ፥ ድሕሪዙይ ከም ህልኽ ክፍኣት ልቦም ኣይገብሩን እዮም።
ግና ኸምቲ ንሕናን ኣቦታትናን ነገስታትናን ኣሕሉቕናን፥ ኣብተን ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝገበርናዮ፥ ንሕናውን ንግስቲ ሰማይ ንእትብሃል ክንዓጥን፥ መስዋእቲ መስተ ድማ ንኣኣ ኽነቕርብ ኢና። ሽዑ እንጀራ ንፀግብ፥ ብደሓን ንነብር፥ መዓትውን ኣይንርእን ነበርና። ኩሉ እዝ ዝተዛረብናዮ ቓል ብርግፅ ክንፍፅም ኢና።
“ግናኸ በቲ ኽፉእ ሓሳብን ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ፤ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ፥ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመለሱ እምበር፥ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፤ ኣእዛኖም ድማ ናባይ ፅን ኣየበሉን።
“ስለ ምንታይ ስቕ ኢልና እንቕመጥ? ተኣከቡ፤ ንዑናይ ናብተን ዕሩዳት ከተማታት ንእቶ፤ ኣብኡ ኸዓ ንጥፋእ፤ ንእኡ ስለ ዝበደልና፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሪር ማይ ክንሰቲ ሂቡና እዩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣጥፊኡና እዩ።
መሪር ኣብልዐኒ፤ ዕረውን ኣፅገበኒ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሕጊ እግዚኣብሄር ጥሒሶም እዮምሞ፥ ትእዛዛተይውን ኣይሓለዉንሞ፥ ኣቦታቶም ዝተኸተልዎ ሓሰቶም ኣስሒትዎም እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ይሁዳ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።
ኣብቲ ናይ ኣይሁድ እምነት፥ ካብ መብዛሕቶም ደቂ ዓደይን ብፆተይን እበልፅ ነበርኩ። ብዛዕባ ስርዓት ኣቦታተይ ድማ ቐናእ ነበርኩ።
ንሕናውን ቀደም ኵልና ኸምኣቶም፥ ትምኒት ስጋና እናፈፀምና፥ ከም ድልየትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና። ብባህርይና ኸምቶም ካልኦት፥ ደቂ ቝጥዓ ነበርና።
ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም ዝወረስኩምዎ፥ ከንቱ ዝኾነ ህይወት ዝደሓንኩም፥ ብዝጠፍእ ነገር፥ ብብሩር ወይ ብወርቂ ዘይኮነስ፥ በቲ ነቐፋን ርኽሰትን ከም ዘይብሉ በጊዕ ዝኾነ፥ ብኽቡር ደም ክርስቶስ፥ ከም ዝተቤዘወኩም ትፈልጡ ኢኹም።