“ኦ ኣምላኽና እታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ምድሪ ንሳ ብርኽሰት እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን መሊኦምዋ ዘለዉ ብርኽሰት ህዝብታት እተን ሃገራት ረኺሳ እያ። እምበኣርከስ ምእንቲ ኽትፀንዑን ጥዑም ፍረ እታ ምድሪ ኽትበልዑን፥ ደቅኹም ከዓ ንዘለኣለም ክወርስዋስ፥ ሕዚ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሃቡ። ኣዋልዶም ከዓ ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ። ንሓዋሩ ሰላሞምን ድሕንነቶምን ኣይትድለዩ ኢልካ ብባሮትካ ነቢያት ዝአዘዝካዮ ትእዛዛትካ ሓዲግና ኢና እሞ፥ ሕዝኸ ድሕሪዙይ እንታይ ክንብል ኢና?