Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 9:13 - መፅሓፍ ቅዱስ

13 እግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ ይብል፦ “እዝ ዅሉ ዝኾነ፥ ነቲ ኣብ ቅድሚኣቶም ዘንበርክዎ ሕገይ ሓደጉ። ቃለይ ኣይሰምዑን ብእኡውን ኣይተመላለሱን።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 9:13
11 Referencias Cruzadas  

“ንስኻትኩም ግና ነኣይ ካብ ምኽታል እንተ ተመለስኩም፥ ነቲ ዝሃብኩኹም ስርዓታተይን ትእዛዛተይን እንተ ሓደግኩምዎ፥ ኬድኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣምለኽኩምዎምን እንተ ሰገድኩምሎምን ግና፥


“ኦ ኣምላኽና እታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ምድሪ ንሳ ብርኽሰት እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን መሊኦምዋ ዘለዉ ብርኽሰት ህዝብታት እተን ሃገራት ረኺሳ እያ። እምበኣርከስ ምእንቲ ኽትፀንዑን ጥዑም ፍረ እታ ምድሪ ኽትበልዑን፥ ደቅኹም ከዓ ንዘለኣለም ክወርስዋስ፥ ሕዚ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሃቡ። ኣዋልዶም ከዓ ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ። ንሓዋሩ ሰላሞምን ድሕንነቶምን ኣይትድለዩ ኢልካ ብባሮትካ ነቢያት ዝአዘዝካዮ ትእዛዛትካ ሓዲግና ኢና እሞ፥ ሕዝኸ ድሕሪዙይ እንታይ ክንብል ኢና?


ካብቶም ሕግኻ ዝሓደጉ ሓጢኣተኛታት ዝተልዓለ፥ ሓዘን ሓዘኒ።


ጠሓስቲ ሕጊ ንኽፉኣት ሰባት ይንእድዎም፤ ሕጊ ዝፍፅሙ ግና ይቃወምዎም።


እዝ ብትረት ልቡ ዝመላለስ፥ ምእንቲ ኸገልግሎምን ክሰግደሎምን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዝኽተል፥ ንቓላተይ ዘይሰምዕ ሕሱም ህዝቢ፥ ከምዛ ኻብ ጥቕሚ ወፃኢ ዝኾነት መዕጠቒት ክኸውን እዩ።


ሽዑ ኺዳን እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደጉን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰገዱን፥ ስለ ዘምለኹን እዩ፥ ኢሎም ክምልሱሎም እዮም።”


‘እግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ምንታይ እዩ እዝ ዅሉ ዝገበረና?’ ኢሎም እንተ ጠየቑ፥ ንስኻ ‘ከምቲ ንስኻትኩም ንኣይ ዝሓደግኩምኒ እሞ፥ ኣብ ሃገርኩም ንጓኖት ኣማልኽቲ ዝተገዛእኹም፥ ከምኡ ድማ ኣብ ዘይሃገርኩም፥ ንጓኖት ክትግዝኡ ኢኹም’ ኢልካ መልሰሎም።”


ግና ኽሳዶም ደኣ ኣትረሩ እምበር፥ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፤ ኣእዛኖምውን ናባይ ፅን ኣይበላን፤ ካብቲ ናይ ኣቦታቶም ዝገድድ ድማ ገበሩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos