10 “ንእምባታት ብኽያት፥ ነቲ መውፈሪ ምድረ በዳውን፥ ዋይ ዋይ ምባል ከልዕል እየ፤ ሰብ ከይሓልፉሎም ብሓዊ ነዲዶም እዮምሞ፥ ክቝዝመሎም እየ፤ ኣብኡ ድምፂ ኸፍቲ ኣይስማዕን፤ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እንስሳ ዘገዳምውን ሃዲሞም ከዱ።”
እንሆ በሊሕ ዘስናኑ ሓድሽ መኼዳ ገይረካ ኣለኹ፤ ንእምባታት ክሳዕ ዝድቈሱ ኽተኺዶም ኢኻ፤ ንዀረብታታት ከዓ፥ ከም ብቝቡቝ ኽትገብሮም ኢኻ።
“ኣብቲ ዓንዩን ባዲሙን ዘሎ ቦታኽን፥ ኣብቲ ዝጠፍአ ምድርኽን፥ ካብቶም ዝነብሩልኪ ዝተልዓለ፥ ሎሚ ኽትፀብዮም ኢኺ፤ እቶም ዝወሓጡኺ ድማ ኽርሕቑ እዮም።
ብዙሓት ጓሶት ንተኽሊ ወይነይ ኣጥፍእዋ፤ ነታ ዕድሎት ርስተይውን ይረግፅዋ ኣለዉ፤ ንግደ ርስተይ ከም ዝፀወመ ምድረ በዳ ገበርዋ።
ኣባደምዋ፤ ኵላ ባዲማስ ኣብ ቅድመይ ትሓዝን ኣላ፤ ብዛዕባኣ ብልቡ ዝግደስ ሓደ እኳ ስለ ዘየለ ኸዓ፥ እታ ሃገር ብምልእታ ምድረ በዳ ኾነት።
ምድሪ እትበኪ ኽሳዕ መኣዝ እያ? ሳዕሪ በረኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዝነቅፅ? ንሳቶም ‘መወዳእታና ኣይፈልጥን’ ብምባሎም፥ ብሰንኪ ኽፍኣት እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ፥ እንስሳን ኣዕዋፍን ይጠፍኡ ኣለዉ።”
ኣእዱግ በረኻ ድማ፥ ኣብ በረኽቲ ደው ኢለን፥ ከም ወኻሩ ላህልሃ፤ ሳዕሪ ስለ ዝሰኣና ድማ ኣዒንተን ፈዘዛ።
ሽደናት ኣናብስ ጓዘሙሉ፤ ድምፆምውን ኣስምዑ፤ ንምድሩ ኸዓ ኣዕነዉ፤ ከተማታቱውን ተቓፀላ፤ ዝነብረለንውን የለን።
ንሳቶም “እቲ ኻብ ሃገር ግብፂ ዘውፅአና፥ ብምድረ በዳ፥ ብምድሪ ፅምዋን ድንጕርን፥ ብምድሪ ኣፃምእን ብፀልማትን፥ በቲ ሓደ እኳ ዘይሓልፎን፥ ሓደ ሰብ እኳ ዘይነብረሉን ምድሪ ዝመርሐና እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ? ኢሎም ኣይጠየቑን።”
እታ ምድሪ ብኣመንዝራታት መሊኣ ኣላ፤ ካብ መርገም ዝተልዓለ እታ ምድሪ ትበኪ ኣላ፤ መጓሰዪታት በረኻ ነቐፁ፤ ኣካይዳኦም ክፉእ እዩ፤ ብርተዐኦምውን ቅኑዕ ኣይኮነን።
“ንባቢሎን ከጥፍእዋ ህዝቢ ብወገን ሰሜን ተልዒሎምዋ ኣለዉ እሞ፥ ነታ ሃገር ከባድማ እዩ። ሰብ ኮነ እንስሳ ካብኣ ሃዲሞም ክኸዱ እዮም እሞ፥ ኣብኣ ዝነብር ኣይህሉን እዩ።”
“እግዚኣብሄር፥ ነቲ ዘቘጠዖ ትውልዲ፥ ደርቢይዎን ኣወጊድዎን እዩ እሞ፥ ኢየሩሳሌም፥ ፀጕሪ ርእስኺ ቘሪፅኪ ደርብዪ፤ ኣብ በረኽቲ ደዪብኪውን፥ ዋይ ዋይ እናበልኪ ብኸዪ።
ሓዘነይ ዘይፀናናዕ እዩ፤ ልበይውን ይጠልመኒ ኣሎ።
“ዘፀናንዐኒ ንነፍሰይውን ዘህድኣ ኻባይ ርሒቑ እዩሞ፥ ስለዙይ ኣነ እበኪ ኣለኹ፤ ኣዒንተይ ድማ ንብዓት የፍስሳ፤ ፀላኢ ስለ ዝበርትዐ ድማ ደቀይ ጠፊኦም እዮም።”
ካፍ። ስለ ጕድኣት ጓል ህዝበይ፥ ህፃናትን ዕሸላትን ኣብ ጐደናታት እታ ኸተማ ስለ ዝተሓለሉ፥ ኣዒንተይ ብንብዓት ደኸማ፤ ኣምዑተይ ተሃወኸ፤ ከብደይ ኣብ ምድሪ ተዘርገፈ።
ጥራሓ ዝተረፈት እምባ ፅዮን፥ መዐንደሪ ወኻሩ ኾይና እያሞ።
“ብሰንኪ እቶም ኣራዊት ሓደ እኳ ብኣኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዝስእን፥ ምድረ በዳ ገይሮም ክሳዕ ዘጥፍእዋ ኣነ ሕሱማት ኣራዊት ኣብ ማእኸል እታ ሃገር እንተ ሰደድኩ፥
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንጢሮስ መልቀስ ኣልቅሰላ።
እግሪ ሰብ ኮነ፥ እግሪ እንስሳ ብኣኣ ኣይሓልፍን እዩ፤ ነርብዓ ዓመትውን ዝነብራ የብላን።
ኣነ ነታ ምድሪ እቲኣ፥ ምድረ በዳን መሰክሕን ክገብራ እየ፤ እቲ እትዕበየሉ ሓይላ ፈፂሙ ኽጠፍእ እዩ፤ እምባታት እስራኤል ድማ ዝሓልፈሉ ዘይብሉ ኾይኑ ኽባድም እዩ።
መሰውኢታትኩም ምእንቲ ኽባድምን ክዓኑን፥ ጣዖታትኩም ከዓ ኽስበርን ክጠፍእን፥ ናይ ፀሓይ ኣዕማድኩም ድማ ኽቝረፅ፥ ስራሕኹምውን ምእንቲ ኽድምሰስ፥ ንስኻትኩም ኣብ ኹሉ እትነብሩሉ፥ እተን ከተማታት ክዓንዋ እየን፤ እቲ በረኽቲ ቦታታት ከዓ ኽፈርስ እዩ።
ስለዙይ እታ ምድሪ ትበኪ ኣላ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ምስ ኣራዊት በረኻን ኣዕዋፍ ሰማይን ክደኽሙ፥ ዓሳታት ባሕሪ እውን እንተይተረፉ ኽውድኡ እዮም።”
መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን፥ ካብ ቤት ኣምላኽኩም ተሪፉ እዩ እሞ፥ ኣቱም ካህናት፥ ወጮ ተዓጢቕኩም ብኸዩ፤ ኣቱም ኣገልገልቲ መሰውኢውን፥ ዋይ ዋይ በሉ፤ ኣቱም ኣገልገልቲ ኣምላኸይ፥ ንዑ፤ ምሉእ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ወጮ ደቅሱ።
ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰዪ ሓዊ በሊዕዎ፤ ንዅሉ ኣእዋም በረኻ ኸዓ፥ ሃልሃልታ ሞዅ ኣቢልዎ እዩ እሞ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ናባኻ አእዊ ኣለኹ።
ኣቱም ቤት እስራኤል፥ እዝ ኣብ ልዕሌኹም ዘልቅሶ ዘለኹ ቓል መልቀስ ስምዑ፦
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል፦ “ኣብ ኵሉ ኣደባባያት ክቍዘም፥ ኣብ ኵሉ መንገድታት ከዓ፥ ዋይ ዋይ ክበሃል እዩ። ንሓረስቶት ናብ ብኽያት፥ ነቶም መልቀስ ዝኽእሉ ናብ ዋይታ ኽፅውዑ እዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ ብምስላ ኽምስሉልኩም ብፅኑዕ መልቀስውን ከልቅሱልኩም እዮም፤ “ንሳቶምውን ፈፂምና ጠፊእና ኢና፤ ነቲ ግደ ህዝበይ ይሰፍር፤ ንእኡ ዝኽልክል የለን፤ ነቲ ገራሁና ንኸዳዕተኛታት ይዕድል” ይብሉ።
ስለዙይ ብሰንክኹም ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ፥ ኢየሩሳሌም ከዓ ዅምራ ኣእማን ክትከውን፥ ኰረብታ እታ ቤትውን ኰረብታ ዱር ክትከውን እያ።