1 ነቶም ተወጊኦም ዝሞቱ ደቂ ጓል ህዝበይ፥ ለይትን መዓልትን ክበክስ፥ ርእሰይ ዒላ ማይ፥ ኣዒንተይ ድማ፥ ፈልፋሊ ንብዓት ኮይኑ እንተ ዝኸውን መን ምሃበኒ!
ሕግኻ ኣይሓለኹንሞ፥ ንብዓተይ ከም ወሓዚ ማይ ይፈስስ ኣሎ።
ኵልሻዕ ኣምላኽካ ኣበይ እዩ? እንትብሉኒ፥ ንብዓተይ መዓልትን ለይትን ቀለብ ኮነኒ።
ስለዙይ ከምቲ ንኢያዜር ዝበኽየላ ዘለኹ፥ ንኣታኽልቲ ወይኒ ሴባማውን እበኽየሉ ኣለኹ። ኣብ ፍረ ሓጋይ፥ ኣብ ቀውዒ፥ ወኻዕታ ድምፂ ዂናት ወዲቑኪ እዩ እሞ፥ ኦ ሄስቦን፥ ኦ ኤልያሊ፥ ብንብዓተይ ኣተርክሰክን ኣለኹ።
ስለዙይ ንጥፍኣት ጓል ህዝበይ ኣምሪረ ኽበኪ ሕደጉኒ፤ ክተፀናንዑኒ ኢልኩምውን ኣይትድከሙ፤ በልኩ።
ነዙይ እንተ ዘይሰሚዕኹም ግና፥ ብሰንኪ ትዕቢትኩም፥ ነፍሰይ ብስውር ትበኪ ኣላ፤ እቲ መጓሰ እግዚኣብሄር ተማሪኹ እዩሞ፥ ኣዒንተይ መሪር ብኽያት ይበኽያ፤ ንብዓት ከዓ ዘራዕራዕ የብላ ኣለዋ።
እዝ ቓል እዙይ ንገሮም፦ “እታ ድንግል ጓል ህዝበይ፥ ብዓብዪ መስበርቲ፥ ብብርቱዕ ቍስሊ ተወቒዓ ኣላሞ፥ ኣዒንተይ ለይትን መዓልትን እንተየቋረፃ፥ ንብዓት የፍስሳ ኣለዋ።
ምስ እዝ ዅሉ ኸዓ እታ ጠላሚት ሓፍታ ይሁዳ ኽተምስል እምበር፥ ብምሉእ ልባ ናባይ ኣይተመለሰትን።”
ኣምዑተይ! ኣምዑተይ! ልበይ የመና ሓሚሙ ኣሎ። ብውሽጠይውን ልበይ ተሃዊኹኒ እዩ። ኦ ነፍሰይ ድምፂ መለኸትን፥ ህማም ውግእን ትሰምዒ ኣለኺሞ፥ ስቕ ክብል ኣይክእልን እየ።
“ከመይ ኢለ ይቕረ ኽብለልኪ? ደቅኺ ጠለሙኒ፤ ኣማልኽቲ ብዘይኮኑ ኸዓ ይምሕሉ ኣለዉ፤ ኣፅገብክዎም፤ ንሳቶም ድማ ዘመዉ፤ ኣብ ቤት ኣመንዝራውን ተኣኻኸቡ።
“ኣቲ ጓል ህዝበይ፥ እቲ መጥፍኢ ብድንገት ክመፀና እዩ እሞ ኸሊ ተኸደኒ፤ ኣብ ሓሙዅሽቲ ፈፈው በሊ፤ ንሓደ ወዳ ኸም እትሓዝን ሕዘኒ፤ መሪር ብኽያትውን ብኸዪ።
ሓዘነይ ዘይፀናናዕ እዩ፤ ልበይውን ይጠልመኒ ኣሎ።
“ኣዒንትና ንብዓት ክቛፅር፥ ቅርንብ ዓይንናውን ማይ ከውሕጅ፥ ቀልጢፈን የልቅሳልና” በሉ።
ካፍ። ስለ ጕድኣት ጓል ህዝበይ፥ ህፃናትን ዕሸላትን ኣብ ጐደናታት እታ ኸተማ ስለ ዝተሓለሉ፥ ኣዒንተይ ብንብዓት ደኸማ፤ ኣምዑተይ ተሃወኸ፤ ከብደይ ኣብ ምድሪ ተዘርገፈ።
ደም ምእንቲ ኸፍስሱ፥ ኣባኺ ጉቦ ተቐበሉ፤ ኣኻዕበትክን ኣሀረፅክን፤ ብዓመፅ ካብ ብፃይኪ ረባሕኺ፤ ንኣይውን ረሳዕኺ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ኵላቶም ኣመንዝራታት እዮም፤ ከምቲ ሰንካቲ ዘርስኖ እቶንውን እዮም። ሰንካቲ፥ እቲ ዅሉ ዝለወሶ ብሑቝ ክሳዕ ዝበኵዕ፥ ነቲ ሓዊ እቶን ኣይቝስቍሶን እዩ።