9 እዞም ጥበበኛታት እዚኣቶም ክሓፍሩን ክድንግፁን ክተሓዙን እዮም። ንሳቶም ንቓል እግዚኣብሄር ሓዲጎምስ፥ ከመይ ዝበለ ጥበብ ደኣ ሃልይዎም እዩ?
ንሕግጋቱን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተዎ ኺዳንን ነቲ ዝሃቦም መጠንቀቕታን ነዓቕዎ። ደድሕሪ ኸንቱ ዝኾኑ ጣዖታት ብምስዓቦም ንባዕላቶም ከንቱ ኾኑ፤ ደድሕሪ እቶም እግዚኣብሄር ከምኣቶም ከይገብሩ ዝኣዘዞም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ድማ ሰዓቡ።
ነቲ ዝመኸርዎ፥ ኣእዳዎም ከይፍፅሞ፥ ንሓሳብ ተንኰለኛታት ከንቱ ይገብሮ።
ንጠቢባን ብተንኰሎም ይሕዞም፤ ንምኽሪ ጠዋያት ድማ ይብትኖ።
ሕጊ እግዚኣብሄር ፍፁም እዩ፤ ንነፍሲውን ይምልስ፤ ምስክርነት እግዚኣብሄር እሙን እዩ፤ ንህፃናት ጠቢባን ይገብሮም።
መሳፍንቲ ጣኔዎስ የመና ሰነፋት እዮም፤ እቶም ጥበበኛታት መማኽርቲ ፈርዖን ከዓ፥ ምኽሮም ድንቍርና ኾይኑ። ከመይ ኢልኩም ደኣ ንፈርዖን “ንሕና ደቂ ጥበበኛታት፥ ደቂ ዘርኢ እቶም ናይ ቀደም ነገስታት ኢና” እትብልዎ?
ስለዙይ ኣብ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ዘደንቕ ተግባርን ተኣምራትን፥ ወሲኸ ኽገብር እየ። ጥበብ እቶም ጥበበኛታት ክጠፍእ፥ ምስትውዓል እቶም መስተውዓልቲውን ክስወር እዩ።”
እቲ ቐዳማይ ኣቦኻ ሓጢኣት ገበረ፤ መምህራንካ ድማ በደሉኒ።
ናብ ሕጉን ናብ ምስክርነት ቃሉን ኪዱ፤ ንሳቶም ከምዙይ ዝበለ ቓል እንተ ዘይተዛሪቦም ብርሃን ወጋሕታ ኣይበርሀሎምን።
ንኣይ ሓዲግክኒ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንድሕሪትውን ተመሊስኪ ኢኺ፤ ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ኸልዕል እየ፤ ከጥፍአክውን እየ፤ ድሕሪ ደጊም ምሕረት ኣይገብረልክን።
ኣነ ኸዓ ኣብዝ ስፍራ እዙይ ንምኽሪ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ከንቱ ኽገብሮ እየ። ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም፥ ብሰይፍን ብኢድ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩን ገይረ ኸውድቖም እየ። ንሬሳኣቶም ድማ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት በረኻን ምግቢ ክኾኖም ክህቦ እየ።
“ካህናት፥ ‘እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ?’ ኢሎም ኣይጠየቑን፤ መምህራን ሕጊ ድማ ኣይፈለጡንን፤ መራሕቲ ህዝቢ እውን ጠለሙኒ፤ ነቢያት ብስም ጣዖት በዓል ተነበዩ፤ ነቶም ከንቱ ዝኾኑ ኸዓ ተኸተልዎም።”
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኤዶምያስ ከምዙይ ይብል፦ “ጥበብዶ ኻብ ቴማን ጠፊኡ እዩ? ምኽሪዶ ኻብቶም ሰብ ኣእምሮ ርሒቑ እዩ? ጥበቦምከ ኸንቱ ኾይኑ ድዩ?
ርኽሰት ስለ ዝገበሩዶኸ ኽሓፍሩ እዮም? ምንም ኣይሓፍሩን፤ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን እዮም። ስለዙይ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፥ ምስ ቀፃዕኹዎም ከዓ ፃሕ ኢሎም ክወድቁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኣቲ ምድሪ ስምዒ፤ ኣብ ቃላተይ ኣየድሃቡን፤ ንሕገይ ከዓ ደርብዮምዎ እዮምሞ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም መዓት ከውርደሎም እየ፤ እዙይ ከዓ ፍረ ሓሳቦም እዩ።
መዓት ኣብ ርእሲ መዓት ክመፅእ፥ ወረውን ኣብ ርእሲ ወረ ክኸውን እዩ፤ ካብ ነቢይ ራእይ ክደልዩ እዮም፤ ግናኸ፥ ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪውን ካብ ኣረጋውያን ክጠፍእ እዩ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሕጊ እግዚኣብሄር ጥሒሶም እዮምሞ፥ ትእዛዛተይውን ኣይሓለዉንሞ፥ ኣቦታቶም ዝተኸተልዎ ሓሰቶም ኣስሒትዎም እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ይሁዳ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኵሎም ነቢያት ትንቢት እንትናገሩ፥ ነፍሲ ወከፍ ስለ እቲ ዝናገሮ ራእይን ትንቢትን ይሓፍር፤ ንምትላልውን ወጮ ኣይለብሱን።
እዚኣተን ከዓ ንኣኻትኩም ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ጥበብኩምን ምስትውዓልኩምን እየን፤ ስለዙይ ሓልዉወንን ፈፅምወንን። ህዝብታት ንዅሉ እዝ ሕግጋት እዙይ ሰሚዖም ‘እዝ ዓብዪ ህዝቢ እዙይ ብሓቂ ፈላጥን መስተውዓልን ህዝቢ እዩ’ ኽብሉ እዮም።
ካብ ህፃንነትካ ጀሚርካ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን፥ ምድሓን ዝርከበሉ ትምህርቲ ኽህባኻ ዝኽእላ፥ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ትፈልጥ ኢኻ።