Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 8:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 ራዛ ኣብ ሰማይ ወርሓቱ ይፈልጥ፤ ባሪቶን ለዃዂቶን ዓያን ዝምለሳሉ ጊዜያት ይፈልጣ፤ ህዝበይ ግና ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣይፈልጥን።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 8:7
10 Referencias Cruzadas  

ዕምበባታት ኣብ ልዕሊ ምድሪ ተራእዩ፤ ጊዜ መዝሙር በፅሐ፤ ድምፂ ባሬቶ ኸዓ ኣብ ምድርና ተሰምዐ።


ብዕራይ ንዋናኡ፥ ኣድጊውን ናይ ጐይታኡ መብልዒ ኸፍቲ ይፈልጥ፤ እስራኤል ግና ኣይፈለጠን፤ ህዝበይውን ኣየስተውዓለን።


ጨናፍራ ምስ ነቐፀ ይስበር፤ ኣንስቲ እውን መፂአን የንድዳኦ። ምስትውዓል ዘይብሉ ህዝቢ እዩ እሞ፥ ስለዙይ እቲ ፈጣሪኡ ኣይርህርሀሉን፤ እቲ ሰራሒኡውን ኣይምሕሮን እዩ።


ኣብ ድግሶም ጭራን ከበሮን እምብልታን ወይንን ኣሎ፤ ንግብሪ እግዚኣብሄር ግና ኣየስተውዓልዎን፤ ነቲ ኢዱ ዝገበረቶውን ኣይተመልከትዎን።


“ህዝበይ ዓያሹ እዮም እሞ ንኣይ ኣይፈልጡንን፤ ድንዙዛት ደቂ እዮም፤ ምስትውዓልውን የብሎምን። ክፉእ ንምግባር ጥበበኛታት እዮም፤ ሰናይ ምግባር ግና ኣይፈልጡን እዮም።”


በደሎም መጠን የብሉን፤ ጥልመቶም ከዓ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፤ ስለዙይ ኣንበሳ ካብ ዱር ወፂኡ ይሰብሮም፤ ተዅላ በረኻ ድማ የጥፍኦም፤ ነብሪ ኣብ ከተማታቶም የድቢ፤ ውፅእ ንዝበለውን ይምንጥሎ።


ስለዙይ ሕጊ ላሕለሐ፤ ፍትሒውን ኣሰኒፉ ኣይወፀን። ሓጢኣተኛ ነቲ ፃድቕ ከቢብዎ እዩ እሞ፥ ፍርዲ ቀይኒኑ ይወፅእ ኣሎ።


መሊሰ ኣዒንተይ ኣልዒለ ጠመትኩ፤ እንሆ ኽልተ ኣንስቲ ወፃ፤ ኣብ ኣኽናፈንውን ንፋስ ነበረ። ኣኽናፈን ከም ኣኽናፍ ራዛ ነበራ፤ ነቲ መስፈሪ ኢፍውን፥ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ኣልዓላኦ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos