6 ፅን ኢለ ሰማዕኹ፤ ቅንዕና ኣይዛረቡን፤ ካብ ክፍኣቱ ዝናሳሕን ‘ስለ ምንታይ ክፉእ ገበርኩ’ ዝብልን የለን። ከምቲ ናብ ውግእ ዝፋንን ፈረስ፥ ነፍሲ ወከፎም በብመንገዶም ይኸዱ።
ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ክብሎ እየ፤ ኣይትፍረደኒ፤ ብምንታይ ትዅንነኒ ኸም ዘለኻ ንገረኒ።
ኣነ ንእግዚኣብሄር እንተይበደልኩ ቅፅዓት ተቐበልኩ፤
ንዘይሪኦ ነገር ንስኻ መሃረኒ፤ በዲለ እንተ ኾይነውን መሊሰ ኣይብድልን ዝብሎ መን እዩ?
ንእግዚኣብሄር ዝደሊ ለባም ሰብ እንተሊዩ ኽርኢ ኢሉ፥ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ጠመተ።
እግዚኣብሄር ግና ምእንቲ ኽምሕረኩም ይዕገስ ኣሎ፤ ክርህርሀልኩምውን ክለዓል እዩ። እግዚኣብሄር ናይ ፍትሒ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንእኡ ተኣማሚኖም ዝፅበይዎ ብፁኣን እዮም።
ብሰንኪ ሓጢኣቱ ተቘጢአ ቐሰፍክዎ፤ ገፀይውን ብቝጥዐ ኻብኡ ኸወልኩ፤ ከምኡ ኾይኑውን ብመንገዲ ልቡ እናድሐርሐረ ኸደ።
ሓደ ሰብ እኳ ኸም ዘየለ ረአየ፤ ሓደ እኳ ዝማልድ ስለ ዝተስኣነ ተገረመ። ስለዙይ ቅልፅሙ ድሕነት ኣምፅአሉ፤ ናይ ባዕሉ ፅድቂ ድማ ሓገዞ።
ሓለምና፥ ሓለምና እናበሉ፥ ብስመይ ትንቢት ሓሰት ናይ ዝናገሩ ነቢያት ቃል ሰሚዐ ኣለኹ።
ንዅልሻዕዶ ይቝጣዕ እዩ? ኽሳዕ መወዳእታውን ክቝጣዕ ድዩ?’ ትብሊ ኣለኺ፤ ግና እንሆ ኽሳዕ ዝኣኽለኪ ኽፉእ ትገብሪ ኣለኺ።”
ኣብ መንገድታት ኢየሩሳሌም ዙሩሞ፥ ረአዩን ተመልከቱን፤ ኣብ ዕዳጋታታ ኸዓ ድለዩ፤ ሓደ፥ እወ ሓደ እኳ ፍትሒ ዝገብር፥ ሓቂ ኸዓ ዝደሊ እንተ ረኸብኩም፥ ኣነውን ክምሕራ እየ።
ካብ ኵሉ እቲ ዝገበሮ በደል ኣስተንቲኑ ስለ ዝተመለሰ፥ ንሱ ብርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ኣይመውትንውን።
ኣነ ኸየጥፍኣስ፥ ነቲ ቕፅሪ ዝፅግን፥ ምእንቲ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድመይ ኣብቲ ዝፈረሰ ዝቐውም፥ ኣብ ማእኸሎም ሓደ ሰብኣይ ደለኹ፤ ግናኸ፥ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን።
ኵሉ እስራኤል ሕግኻ ኣፍረሰ፤ ምስማዕውን ኣበየ። ኣብ ልዕሌኻ ሓጢኣት ስለ ዝሰራሕና፥ ኣብ ሕጊ እቲ ብኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝተፅሓፈ፥ ማሕላን መርገምን ወረደና።
ሕያዋይ ሰብ ካብ ምድሪ ጠፊኡ እዩ። ኣብ ማእኸል ሰባትውን ቕኑዕ የለን። ኵላቶም ደም ንምፍሳስ የድብዩ። ነፍሲ ወከፍ ከዓ ንሓዉ ብመርበብ ንምሓዝ ይከታተሎ።
ኣነ ድማ ደጊምስ ከኽብሩንን ተግሳፀይ ክቕበሉን፥ ምእንቲ መንበሪኦም ከይጠፍእ፥ ነቲ ዝኣዘዝኩዎምውን ኣይርስዑን እዮም ኢለ ነይረ፤ ንሳቶም ግና ኣንጊሆም ግብሮም ኣርከሱ።”
እምበኣር ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ንመንገድኹም እስኪ ብልብኹም ኣስተውዕልዎ?
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እስኪ መንገድኹም ኣስተውዕሉ?
በቲ እዋን፥ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ንስንሳቶም ተዘራረቡ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣዳመፀ፤ ሰምዐውን። ነቶም ንእግዚአብሔር ዝፈርሕዎን፥ ስሙ ንዝሓስቡን፥ ኣብ ቅድሚኡ መዘከርታ መፅሓፍ ተፅሓፈ።
ጐይታስ፥ ኵላቶም ናብ ንስሃ ኽበፅሑ እምበር፥ ሓደኳ ኽጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝኾነ፥ ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር፥ ከምቲ ንገሊኣቶም ዝድንጕ ዝመስሎም፥ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።
እቶም በዘን መዓታት እዚኣተን እንተይተቐትሉ ዝተረፉ ሰባት፥ ካብቲ ግብሪ ኣእዳዎም ኣይተነስሁን። ንኣጋንንትን ነቶም ክሪኡ፥ ወይ ክሰምዑ፥ ወይ ክኸዱ ዘይኽእሉ፥ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብእምንን ብዕንፀይትን ዝተሰርሑ ጣዖታት፥ ምምላኽ ኣይሓደጉን።