17 “እንሆ፥ ዓዛሚ ኽዕዝሞም ዘይከኣሎ ኣትማንን ገበላትን ክሰደልኩም እየ፤ ንሳቶም ከዓ ኽነድፉኹም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ነስናኖም ኣብ ውሽጢ ኣፎም ይሰብር፤ እግዚኣብሄር ናይ ኣናብስ መንጋጋ የድቅቕ።
ተመን እንተይተዓዘመ እንተሎ እንተ ነደፈ፥ ዓዛሚ ጥቕሚ የብሉን።
ኦ ፍልስጥኤም! እቲ ዝወቕዐኪ ዝነበረ በትሪ ስለ ዝተሰብረ ዅልኻትኩም ኣይትተሓጐሱ። ካብ ሱር ተመን ኣፍዑት ይወፅእ እዩሞ። ፍረኡውን ዝነፍርን ሓዊ ዝመስልን ገበል ይኸውን።
ከምቲ ኻብ ቅድሚ ኣንበሳ ዝሃድም እሞ ድቢ ዘጋጥሞ ሰብ፥ ከምቲ ናብ ቤቱ ኣትዩ ኢዱ ኣብ መንደቕ ዘፀግዕ እሞ ተመን ዝነኽሶ ሰብ እዩ።
ኣብ ርእሲ ቀርሜሎስ እኳ እንተ ተሓብኡ፥ ደልየ ኻብኡ ኸውፅኦም እየ፤ ካብ ኣዒንተይ ናብ መዓሙቕ ባሕሪ እንተ ተሓብኡውን፥ ኣብኡ ንተመን ክእዝዞ እየ፤ ንሱ ኸዓ ኽነኽሶም እዩ።
እግዚኣብሄር ከዓ ኣትማን ናብቶም ህዝቢ ሰደደ፤ ነቶም ህዝቢ እውን ነኸስዎም፤ ካብ እስራኤል ከዓ ብዙሕ ህዝቢ ሞተ።
ብጥሜት ክምንምኑ እዮም፤ ብረስኒ ዓሶን ብመሪር ፌራን ክሃልቁ እዮም፤ ኣስናን ኣራዊት፥ ምስ ሕንዚ ተመን ክሰደሎም እየ።
ሓይሊ እቶም ኣፍራስ፥ ኣብ ኣፎምን ኣብ ጭራኦምን እዩ፤ እቲ ጭራኦም ተመን እዩ ዝመስል፤ ርእሲውን ኣለዎም፤ ብእኡ ገይሮም ድማ እዮም ዝጐድኡ።