16 ፀላእትና ድሮ ኽሳዕ ከተማ ዳን በፂሖም ኣለዉ፤ ድምፂ ኹርፋ ኣፍራሶም ኣብ ዳን ተሰምዐ። ብምሕምሓም ድንጉላ ኣፍራሶም ድማ ዅላ እታ ሃገር ትርዕድ። መፁ፤ ነታ ምድርን ኣብኣ ንዝነብሩ ዅሎምን ከዓ በልዕዎም።”
ከም ኣንበጣዶ ተሰራስሮ ኢኻ? እቲ ዕቡይ ኵርፍታኡ ዘፍርሕ እዩ።
ምድርን ምልኣታን ናይ እግዚኣብሄር እያ፤ ዓለምን ኣብ ውሽጣ ዝነብሩ ዅሎምውን።
ንያእቆብ በሊዖምዎ፥ ውሒጦምዎን ወዲኦምዎን፥ ንመንበሪኡውን ኣዕንዮምዎ እዮም እሞ፥ ቍጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብን፥ ናብቶም ስምካ ዘይፅውዑ ዓሌትን ኣፍስሶ።
ካብ ንእስነትና ጀሚሩ ድኻም ኣቦታትና፥ ኣባጊዖምን፥ ኣላሕሞምን፥ ኣዋልድን ኣወዳትን፥ ደቆምውን ሕፍረት በሊዑሎም እዩ።
ሕዚ ግና እቶም ፈፂሞም ዝውሕጡኻ፥ ክወሓጡ እዮም፤ ኵሎም ፀላእትኻ ንምርኮ ኽወሃቡ እዮም። ኵሎም ዝዓመፁኻ ኽዕመፁ እዮም፤ ኵሎም ዝዘመቱኻ ኸዓ ኽዝመቱ እዮም፤
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ እሞ፦ “ዘፍርሕ ድምፂ ሰማዕና፤ ናይ ፍርሓት እምበር ናይ ሰላም ኣይኮነን።
ንእምባታት ጠመትክዎም፤ እንሆ ኸዓ ራዕራዕ ይብሉ፤ ኵላቶም ኰረብታታትውን የንቀጥቅጡ ነበሩ።
ኣንበሳ ካብ ፀምፀም ዱር ወፂኡ ኣሎ፤ ንኣህዛብ ዝዘምትውን ተሲኡ ኣሎ፤ ንምድርኺ ባድማ ኽገብር ድማ ካብ ስፍራኡ ወፂኡ ኣሎ፤ ከተማታትኪ ኸዓ ሓደ እኳ ዝነብረለን ክሳዕ ዝሰኣን ክዓንዋ እየን።
ካብ ድምፂ ሸዀና ኣፍራስን፥ ደርጓዕጓዕ ካብ ዝብሉ ሰረገላታትን፥ ሓርገምገም ካብ ዝብሉ ጋሪታትን ዝተልዓለ፥ ኣቦታት ንደቆም ክሪኡ፥ ንድሕሪት ኣይምለሱን እዮም፤ ኣእዳዎም ደኺመን ወለል ክብላኦም እየን።
ንሳቶም ንዝራእትኹምን እንጀራኹምን ክበልዕዎ፤ ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን ክበልዕዎም፤ ነባጊዕኹምን ከብትኹምን ክበልዕወን፥ ንወይንኹምን በለስኩምን ክበልዕዎ እዮም። ነተን እትተኣማመኑለን ዕሩዳት ከተማታትኩም፥ ብሰይፊ ኸፍርስወን እዮም።”
ቀስትን ኲናትን ዝሓዙ ጨካናትን፥ ምሕረት ዘይብሎምን እዮም። በፍራሶም እናጋለቡ እንትመፁ፥ ድምፆም ከም ባሕሪ ይሃምም፤ ኣቲ ጓል ባቢሎን፥ ንውግእ ከም ዝተዳለዉ ተዋጋእቲ፥ ተሰሊፎም ይመፁኺ ኣለዉ።
እግዚኣብሄር እቲ ንሃገር ባቢሎን ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ፥ ምድረ በዳ ኽገብራ እየ ኢሉ፥ ዝወሰነላ ይፍፅሞ ኣሎሞ፥ ምድሪ ትንቅጥቀጥ ራዕራዕውን ትብል ኣላ።
ቀስትን ኲናትን ዝሓዙ፥ ጨካናት፥ ምሕረትውን ዘይብሎም እዮም። ድምፆም ከም ባሕሪ ይሃምም፤ ኣብ ልዕሊ ኣፍራስውን ይቕመጡ። ኣቲ ጓል ፅዮን፥ ንሰልፊ ኸም ዝተዳለወ ሰብ ክዋግኡኺ ተዳልዮም ኣለዉ።”
ድምፂ ሓለንግን፥ ድምፂ እቲ ድዋዕዋዕ ዝብል መንኰራዅርን፥ ምግላብ ኣፍራስን ድምፂ ዝጐያ ሰረገላታትን ይስማዕ ኣሎ።
እምባታት ምስ ረኣዩኻ ኣንቀጥቀጡ፤ ሞገድ ማያት ሓለፈ፤ ቃላይውን ድምፁ ሃበ፤ ኢዱ ኸዓ ንላዕሊ ኣልዓለ።
ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን፥ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ።
ሓደ ሰብ “እዙይስ ንጣዖት ዝተሰውአ እዩ” እንተበለኩም ግና፥ ምእንቲ እቲ ዝነገረኩምን፥ ምእንቲ ሕሊናን ኢልኩም፥ ኣይትብልዑ።
ብስም እቲ ንያእቆብ ዝተወልደሉ ኣቦኣቶም ዳን፥ ስም እታ ኸተማ ዳን ኢሎም ሰመይዋ። ቅድም ግና ስም እታ ኸተማ ሌሳ ይበሃል ነበረ።
ሽዑ ዅሎም ደቂ እስራኤል ወፁ። እቲ ማሕበርውን ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህን ካብ ምድሪ ገለዓድንውን ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ምፅጳ ተኣከቡ።
ካብ ብርትዐ እቶም ዝጋልቡ ሓያላት ዝተልዓለ፥ ሸኰና እቶም ኣፍራስ ከዓ ደርጓዕጓዕ በለ።