15 ንሰላም ብተስፋ ተፀበና፤ ግና ሰናይ ኣይመፀን። እንሓውየሉ ጊዜ ተፀበና፤ እንሆ ኸዓ ድንጋፀ ኾነ።
እንሆ፥ ሰላም ንምርካብ ተስፋ ገበርኩ፤ ግና መከራ መፀኒ፤ ንብርሃን ብትዕግስቲ ተፀበኹ፤ ግና ፀልማት መፀ።
ኣብ ምድረ በዳ ናብ ዘለዉ፥ ዑና ዀረብታታት ዘረፍቲ ተዋፈሩ፤ ሰይፊ እግዚኣብሄር ካብ ሓደ ወሰን፥ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ምድሪ ይበልዕ ኣሎሞ፥ ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ ሰላም የለን።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ብሓቂ ፈፂምካዶ፥ ንይሁዳ ደርቢኻያ ኢኻ? ነፍስኻኸ ንፅዮንዶ ፀሊኣታ እያ? ስለ ምንታይ ደኣ ኸም ዘይንሓዊ ጌርካ ወቓዕኻና? ሰላም ተፀበና፤ ግና ሰናይ ኣይመፀን። እንሓውየሉ ጊዜ ተፀበና፤ እንሆ ኸዓ፥ ራዕዲ ኾነ።
ሽዑ ኣነ “ኣየ፥ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ሰይፊ ኽሳዕ ነፍስና በፂሑ እንተሎስ፥ ደሓን ኢኹም ብምባልካ ነዝ ህዝቢ እዙይን ንኢየሩሳሌምን ብርግፅ ጠበርካዮ” በልኩ።
ሰይፊ ፀላኢን፥ ፍርሓትን ኣብ ኵሉ ወገን ኣሎሞ፥ ናብ መይዳ ኣይትውፅኡ፤ ብመንገድታትውን ኣይትኺዱ።”
ሰላም ዘየለስ፥ ሰላም ሰላም እናበሉ፥ ንመስበርቲ ጓል ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለዉ።
ጥፍኣት ይመፅእ ኣሎ፤ ንሳቶም ከዓ ሰላም ክደልዩ እዮም፤ ኣይርከብንውን።
መዓት ካብ እግዚኣብሄር ክሳዕ ደገ ኢየሩሳሌም ወሪዱ እዩ እሞ፥ እታ እትነብር ሰናይ ነገር ትፅበ ኣላ።
ሰባት “ሰላም እዩ፤ ዘተኣማምን እዩ” ኽብሉ እንተለዉ፥ ከምቲ ንነፍሰ ፁር ሕማም ሕርሲ ዝሕዛ፥ ብድንገት ጥፍኣት ክመፆም እዩ፤ ፈፂሞምውን ከምልጡ ኣይኽእሉን እዮም።