13 “ኣነ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየ፤ ኣብ ሃረግ፥ ወይኒ ኣይርከብን፤ ኣብ ኦም በለስውን በለስ ኣይርከብን፤ ቈፅሊ እኳ ይረግፍ፤ ነቶም ብእኡ ዝሓልፉ ኽህቦም እየ” ይብል እግዚኣብሄር።
ዓሰርተ ፅምዲ ብዕራይ ካብ ዘውዕል ናይ ወይኒ ቦታ፥ ሓደ መስፈሪ ባዶስ ጥራሕ ፅማቝ ወይኒ ኽወፅእ እዩ። ሓደ መስፈሪ ቆሮስ ዘርኢ፥ ሓደ መስፈሪ ኢፍ ዝኣክል እኽሊ ጥራሕ ይህብ።”
እንተ ፆሙ ፀሎቶም ኣይሰምዕን፤ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን እኳ እንተ ኣቕረቡለይ ኣይቅበለሎምን እየ። እኳ ደኣ ብውግእን ብጥሜትን ብፌራን ከጥፍኦም እየ” በለኒ።
ብዛዕባ እዞም ኣነ እግዚኣብሄር እንተይለኣኽክዎም ‘ኣብዛ ሃገር እዚኣ ውግእን ጥሜትን ኣይህሉን እዩ’ ኢሎም ብስመይ ዝንበዩ ነቢያት፥ እዞም ነቢያት እዚኣቶም ብውግእን ብጥሜትን ክጠፍኡ እዮም።
ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማይ ዝተተኽለት፥ ናብ ሩባ ኣቢላ ሱራ ዝሰደደት፥ ዋዒ እንተ መፀ ዘይትፈርሕ፥ ቈፅላ ኸዓ ለሚዑ ዝነብር፥ ካብ ምፍራይውን ዘይተቋርፅ ኦም እዩ።”
ንሳቶም ንዝራእትኹምን እንጀራኹምን ክበልዕዎ፤ ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን ክበልዕዎም፤ ነባጊዕኹምን ከብትኹምን ክበልዕወን፥ ንወይንኹምን በለስኩምን ክበልዕዎ እዮም። ነተን እትተኣማመኑለን ዕሩዳት ከተማታትኩም፥ ብሰይፊ ኸፍርስወን እዮም።”
ስለዙይውን፥ እንሆ፥ ቍጥዓይን ናህረይን ኣብዛ ስፍራ እዚኣ፥ ኣብ ሰብን እንስሳን፥ ኣብ ኣእዋም በረኻን፥ ኣብ ፍረ ምድርን ከፍስስ እየ። ቍጥዓይ ሓደ እኳ ኸጥፍኦ ኽሳዕ ዘይኽእል ክነድድ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
ስለዙይ ከዓ ቝጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣፍሰስኩ፤ ብሓዊ ቝጥዓይ ኣጥፋእኽዎም፥ መንገዶምውን ኣብ ልዕሊ ርእሶም መለስኩሎም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ንሳ ነቲ “ፈተውተይ ዝሃቡኒ ዓስበይ እዙይ እዩ” ዝበለቶ ተኽሊ ወይናን ኦም በለሳን ከባድሞ፥ ዱር ከዓ ኽገብሮ እየ፤ ኣራዊት በረኻውን ክበልዕዎ እዮም።
ንተኽሊ ወይነይ ኣባደማ፤ ንኦም በለሰይ ድማ ፈሓቆ፤ ጨሪሱ ቐንጢጡ ኸዓ ደርበዮ፤ ጨናፍሩውን ፃዕደወ።
ምድሪኹም እኽላ ኣይትህብን፤ ኦም ምድሪ እውን ፍረኣ ኣይትህብን እያ እሞ፥ ሓይልኹም ብኸንቱ ይውዳእ።
ኦም በለስ እንተ ዘየፍረየት፥ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን፥ ፍረ እንተ ዘይተረኽበ፥ ፍረ ኣውሊዕ እንተ ጐደለ፥ ገራሁታት ዝብላዕ እንተ ዘይሃቡ፥ ኣባጊዕ ኻብ ደምበ እንተ ጠፍኣ፥ ከፍትውን ኣብ ደምቤታት እንተ ተስኣና፥
ኣነውን ኣብ ልዕሊ ንዅሉ ምድርን ኣብ ልዕሊ እምባታትን፥ ኣብ ልዕሊ እኽልን ኣብ ልዕሊ ወይንን፥ ኣብ ልዕሊ ዘይትን ኣብ ልዕሊ እቲ ምድሪ እተብቍሎ ኣብ ልዕሊ ሰብን ኣብ ልዕሊ እንስሳን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሕ ኣእዳውኩምን ድርቂ ፀዋዕኹ።”
ንዅሉ ስራሕ ኣእዳውኩም ብሃጕን ብሕሞድያን ብበረድን ወቓዕክዎ፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ምእንታኻትኩም ፍረ ምድሪኹም ከየጥፍእ፥ ነቲ ሓሰኻ ኽግስፆ እየ፤ ኣብ ግራትኩም ዘሎ ተኽሊ ወይንኹም ፍረኡ ኣየርግፍን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ኣብ ጥቓ መንገዲ ኦም በለስ ሪኡ ናብኣ ኸደ፤ እንተ ኾነ ቘፅሊ ጥራሕ እምበር፥ ሓንቲ ፍረ ስለ ዘይረኸበላ “ደጊም ካባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይረኸብ!” በላ፤ እታ ኦም በለስ ከዓ ሽዑ ንሽዑ ነቐፀት።
ፀሓይ ምስ ዋዒኣ ትወፅእ እሞ፥ ነቲ ሳዕሪ ተንቅፆ፤ እቲ ዕምበባኡ ኸዓ ይረግፍ፤ ፅባቐኡ ድማ ይጠፍእ፤ ከምኡውን እቲ ሃብታም፥ ብመንገዱ ኽጠፍእ እዩ።