1 “በቲ ጊዜ እቱይ ነዕፅምቲ ነገስታት ይሁዳን፥ ነዕፅምቲ መኳንንቲ ይሁዳን ነዕፅምቲ ኻህናትን ነዕፅምቲ ነቢያትን፥ ነዕፅምቲ ህዝቢ ኢየሩሳሌምን፥ ካብ መቓብሮም ከውፅእዎ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ከዓ “ኣታ መሰውኢ፥ ኣታ መሰውኢ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብለካ ኣሎ፦ ‘ንቤት ዳዊት ኢዮስያስ ዝስሙ ወዲ ኽውለደላ እዩ። ንሱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዀረብታ ንዝተሰርሐ ንናይ ኣህዛብ መሰውኢ ኣገልገልቲ ኾይኖም መስዋእቲ ንዘቕርቡልካ ኻህናት፥ ኣብ ልዕሌኻ ኽስውኦምን ነዕፅምቲ ሰባትውን ከቃፅለልካ እዩ’ ” ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ዓው ኢሉ ኣድመፀ።
ኢዮስያስ ከዓ ግልፅ ኢሉ፥ ነቲ ኣብ ኰረብታ ዝነበረ መቓብራት ረአየ። ሽዑ ልኢኹ ነቲ ኣዕፅምቲ ኻብ መቓብራት ወሲዱ፥ ከምቲ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓል እግዚኣብሄር ኣብቲ መሰውኢ ኣቃፀሎ፤ ኣርከሶውን።
ንዅሎም ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣብ በረኽቲ ንጣዖት ዘገልግሉ ኻህናት ከዓ ኣብቲ መሰውኢታት ሓረዶም፤ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መሰውኢታት ድማ ኣዕፅምቲ እቶም ሰባት ኣቃፀለ። ካብኡ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።
ሬሳ ኤልዛቤል ድማ እዚኣስ ኤልዛቤል እያ ኢሉ ዘለልያ ኽሳዕ ዘይርከብ ኣብ ልዕሊ ግራት ኢይዝራኤል ከም ድዅዒ ክኸውን እዩ።”
እግዚኣብሄር ነዕፅምቲ እቶም ግብዛት በቲኑ እዩሞ፥ ኣብኡ ዘፍርሕ እንተይሃለወ የመና ፈርሑ፤ እግዚኣብሄር ንዒቑዎም እዩ እሞ፥ ኣሕፈርካዮም።
ነቶም ዝተነበዩሎም ህዝቢ ድማ ኽፍኣቶም ኣብ ልዕሊኣቶም ከውርዶ እየ። ንሳቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከዓ ብጥሜትን ብውግእን ከም ዝሃልቁ ኽገብር እየ። ሬሳኣቶም ከዓ ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌም ክወድቁ እዮም፤ ዝቐብሮም ድማ ኣይርከብን” በለኒ።
ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት፤ እግዚኣብሄር ከዓ ብመንፈስ ኣውፅአኒ፤ ኣብ ማእኸል እታ ለሰ ድማ ኣንበረኒ፤ ንሳውን ኣዕፅምቲ መሊእዋ ነበረ።
መሰውኢታትኩም ክፈርስ፥ እቲ ናይ ፀሓይ ኣዕማድኩም ድማ ኽሰባበር፥ ነቶም ውጉኣትኩም ከዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ጣዖታትኩም ከውድቖም እየ።
ንሬሳታት ደቂ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ጣዖታቶም ከንብሮ፥ ንኣዕፅምትኹም ድማ ኣብ ዙርያ መሰውኢታቶም ክዘርዎ እየ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኣዕፅምቲ ንጉስ ኤዶምያስ ሓመድ ክሳዕ ዝኸውን ኣቃፂልዎ እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ሞኣብ፥ መቅሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።