5 “ንመንገድኹምን ግብርኹምን ብሓቂ እንተ ኣፀቢቕኩምዎ፥ ኣብ መንጎ ንስንሳትኩም ብሓቂ እንተ ፈረድኩም፥
እሺ እንተ በልኩምንን እንተ ተኣዚዝኩምንን ግና፥ በረኸት ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም።
“ምኽሪ ምኸሪ፤ ፍርዲ ፍረዲ፤ ቀትሪ እንተሎ ንፅላሎትኪ ኸም ለይቲ ግበርዮ። ንዝተሰጐጐ ሕብኢ፥ ንዝሃድሙ ኣይትግለፂ።
ኣቱም ቤት ዳዊት፥ ብሰንኪ ኽፉእ ግብርኹም፥ ቍጥዓይ ከም ሓዊ ኸይእጐድ፥ ዘጥፍኦ ኽሳዕ ዝስእን ከዓ ኸይነድድስ፥ ኣንጊህኹም ፍትሒ ግበሩ፤ ነቲ ዝተዘምተውን ካብ ኢድ ዓማፂኡ ኣናግፍዎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ብብዝሒ ዕንፀይቲ ዝግባ ስለ እትወዳደር፥ ብሓቂ ኽትነግስ ዲኻ? ኣቦኻኸ ፍትሕን ፅድቅን ብምስራሑ፥ ዝበልዖን ዝሰትዮንዶ ጐዲልዎ ነይሩ እዩ፤ ኵሉ ኸዓ ሰናይ ኮይኑሉ ነበረ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ፍትሕን ፅድቅን ግበሩ፤ ነቲ ዝተዘምተ ኸዓ ኻብ ኢድ ዓማፂኡ ኣናግፍዎ፤ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን፥ ኣይትበድሉን ኣይትዓምፁን፤ ኣብዝ ስፍራ እዙይውን ንፁህ ደም ኣይተፍስሱ።
እምበኣር ኣካይዳኹምን ግብርኹምን ኣዐርዩ፤ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ስምዑ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ኣባኻትኩም ከውርዶ ሃቂኑዎ ዝነበረ መዓት ክሓድጎ እዩ።
እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ መንገድኹምን ግብርኹምን ኣፀብቑ፤ ኣነ ኸዓ ኣብዝ ስፍራ እዙይ ከንብረኩም እየ።
ንድኻ ኸይገፍዕ ኢዱ ዝመልስ፥ ሃረፃን ወለድን ዘይወስድ፥ ፍርደይ ዝገብር፥ ብሕገይ ዝመላለስ፥ ንሱ ብህይወት ይነብር እምበር፥ ብሰንኪ ሓጢኣት ኣቦኡ ኣይመውትን እዩ።
“ፃድቕ ሰብ እንተ ሃለወ፥ ቅንዕናን ፅድቅን ከዓ እንተ ገበረ፥
እንተ ዘየኻዕበተን እንተ ዘየሀረፀን ኢዱ ኻብ ዓመፅ እንተ ኸልከለ፥ ኣብ መንጎ ሰባት ከዓ ቕንዕና እንተ ፈረደ፥
ሓደ እኳ ንብፃዩ ኣይዓምፅ፤ ንኣይ ንኣምላኽኩም ደኣ ፍርሑ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
ኢየሩሳሌምን እተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኸተማታትን ሰብ ሰፊርወን እንተለዋ፥ ብምቾት እንትነብሩ ደቡብን እቲ ቘላን ሰብ ሰፊርወን ኣብ ዝነበራሉ ጊዜ እንተለዋ፥ እግዚኣብሄር በቶም ቀዳሞት ነቢያት ገይሩ ዝኣወጆ ቓል፥ ክትሰምዑዶ ኣይግብአኩምን ነይሩ?
ካብቶም ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ዝነብሩ፥ ምስ ተባዕታይ ደቂሰን ዘይፈልጣ፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ደናግል ኣጓላት ረኸቡ። ንሳቶም ከዓ ንኣኣተን ናብ ሰፈር፥ ናብታ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ ሴሎ ኣምፅእወን።
በታ መዓልቲ እቲኣ ዲቦራን ባርቅ ወዲ ኣቢኒኤምን እዝ መዝሙር እዙይ ዘመሩ፦