4 መቕደስ እግዚኣብሄር! መቕደስ እግዚኣብሄር! መቕደስ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ እናበልኩም ኣብ ቃል ሓሰት ኣይትተኣማመኑ።
ሽዑ ኣነ ንህዝቢ እስራኤል ካብዛ ዝሃብክዎም ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤተ መቕደስ ከዓ ኻብ ቅድሚ ገፀይ ክድርብያ እየ፤ እስራኤልውን ኣብ ኵሎም ህዝብታት መመሰልን መተረትን ክትከውን እያ።
ብስም ተቐማጦ እታ ቕድስቲ ኸተማ ዝተፀዋዕኹም፥ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት ብዝብሃል ኣምላኽ እስራኤል እትድገፉ፥ ቤት ያእቆብ ነዙይ ስምዑ።
ብፅድቂ ዝጠርዕ ሓደ እኳ የለን፤ ብሓቂ ዝፈርድ ሓደ እኳ የለን፤ ኣብ ከንቱነት ይእመኑ፤ ሓሰት ከዓ ይዛረቡ፤ ክፍኣት ይጠንሱ፤ ሓጢኣትውን ይወልዱ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰማይ ዙፋነይ እዩ፤ ምድሪ ኸዓ መርገፂ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ፥ ከመይ ዝበለ እዩ? እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ ስፍራኸ፥ ከመይ ዝበለ እዩ?
ሽዑ ነቢይ ኤርሚያስ ንነቢይ ሃናንያ “ኦ ሃናንያ፥ ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ኣይለኣኸካን፤ ንስኻ ግና እዝ ህዝቢ እዙይ ኣብ ሓሰት ክእመን ጌርካ ኢኻ።
እዙይ ዝበፅሖም ኣብ እስራኤል ክፍኣት ስለ ዝገበሩ፥ ኣብ ኣንስቲ ብፆቶም ስለ ዝዘመዉ፥ ኣነ ዘይኣዘዝክዎም ቃል ሓሰትውን፥ ብስመይ ስለ ዝተዛረቡ እዩ። ነዙይ ከዓ ኣነ እየ ዝፈልጦ እሞ ምስክር እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እዝ መልእኽቲ እዙይ ናብ ኵሎም እቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ምሩኻት ለኣኽ፦ ብዛዕባ ሸማያ በዓል ኔሔላም እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሸማያ፥ ኣነ ዘይለኣኽኩዎ ስለ ዝተነበየልኩም፥ ኣብ ሓሰትውን ክትእመኑ ስለ ዝገበረኩም፥
ሰላም ዘየለስ፥ ሰላምዩ እናበሉ፥ ንመውቃዕቲ ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለዉ።
ስለዙይ ከዓ ኸምቲ ኣብ ሴሎ ዝገበርክዎ፥ ስመይ ኣብ ዝተፀውዐሉ ብእትተኣማመኑሉ ቤት፥ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ኣብ ዝሃብክዎ ስፍራ ኸምኡ ኽገብር እየ።
“ንስኻትክን ነተን ዘይሞታ ነፍሳት ንሞት እናወፈኽን፥ ነተን ብህይወት ክነብራ ዘይግብአን ነፍሳት ከዓ ህይወተን እናድሓንክን፥ ነቲ ሓሰት ዝሰምዕ ህዝበይ እናሓሰኽን፥ ምእንቲ ዕዅቲ ስገምን ቍራስ እንጀራን ኣብ ህዝበይ ተርክሳኒ ኣለኽን።”
ኣሕሉቓ ብጉቦ ይፈርዱ፤ ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፤ ነቢያታ ብገንዘብ ይጥንቍሉ፤ ምስ ናይ እዙይ ከዓ “እግዚኣብሄርዶ ኣብ ማእኸልና ኣይኮነን? መዓት ኣይወርደናን እዩ” እናበሉ፥ ብእግዚኣብሄር ይእመኑ።
በታ እዋን እቲኣ፥ ኣነ ነቶም ዕቡያት ካብ ማእኸልኪ ኸውፅኦም እየሞ፥ ንስኺውን ድሕሪ ደጊም ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ኣባይ ኣይትዕበዪን ኢኺ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ በቲ ንኣይ ዝበደልክሉ ዅሉ ግብርኺ ኣይትሓፍሪን ኢኺ።
እምበኣርከስ ንንስሃ ዝበቅዕ ፍረ ኣፍርዩ እምበር፥ ብልብኹም ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣለና’ ብምባል ኣይትዘሃሩ፤ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ካብዘን ኣእማን እዚኣተን፥ ውሉድ ከተስአሉ ኸም ዝኽእል እነግረኩም ኣለኹ።