32 ስለዙይ ከዓ እንሆ፥ ለሰ ምሕራድ እምበር፥ ቶፌት ወይ ለሰ ወዲ ሂኖም ተብሂሉ ዘይስመየለን መዓልቲታት ክመፃ እየን። ካልእ ስፍራ ስለ ዝተስአነ ድማ፥ ኣብ ቶፌት ሰባት ክቐብሩ እዮም።
ሰብ ወዱ ወይ ጓሉ ንጣዖት ሞሎክ ብሓዊ ምእንቲ ኸይስውእ ኢሉ፥ ነቲ ኣብ ለሰ ደቂ ሄኖም ዝነበረ ቶፌት ኣርከሶ።
ከምዙይ በሎም፦ ‘ከምቲ ኣቕሓ ሰራሒ መሬት ምስ ተሰብረ ዘይዕረ’ ኸምኡ ነዝ ህዝቢ እዙይን ነዛ ኸተማ እዚኣን ክሰብሮም እየ። መቕበሪ ቦታ ስለ ዝስኣን ድማ ሬሳኣቶም ኣብ ቶፌት ክቕበር እዩ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ኵለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን፥ ኵለን እተን ኣብ ዝባን ናሕሰን ንኸዋኽብቲ ሰማይ ዕጣን ዝዓጠኑለንን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዘፍሰሱለን ኣባይቲ፥ ከም ቶፌት ክረኽሳ እየን በሎም” በለኒ።
በቲ ‘በሪ ሰራሕቲ መሬት’ ዝበሃል ሓሊፍካ ናብቲ ለሰ ሂኖም ውፃእ። ኣብኡ ዄንካ ድማ እቲ ኣነ ዝነግረካ ቓል ተናገር።
ስለዙይ ከዓ፥ እዝ ስፍራ እዙይ ለሰ ምሕራድ እምበር፥ ቶፌት ወይ ለሰ ሂኖም ተብሂሉ ዘይስመየለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኵሉ ሬሳታት ዝቕበሩሉን ሓሙዅሽቲ ዝጓሓፈሉ ለሰን፥ ኵሉ እቲ ገራሁ ኽሳዕ ሩባ ቄድሮንን፥ ብወገን ምብራቕ ድማ ኽሳዕ እቲ መኣዝን ደገ ኣፍራስን፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ክኸውን እዩ። እታ ኸተማ ንሓዋሩ ኸቶ ኣይትንቀልን ኣይትፈርስንውን እያ።”
ኣነ ኸቶ ዘይኣዘዝክዎን ዘይሓሰብክዎን፥ ኣወዳቶምን ኣጓላቶምን ኣብ ሓዊ ምእንቲ ኸንድዱ፥ ኣብ ለሰ ወዲ ሄኖም ንቶፌት መስገዲ ዀረብታ ሰርሑ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
መሰውኢታትኩም ክፈርስ፥ እቲ ናይ ፀሓይ ኣዕማድኩም ድማ ኽሰባበር፥ ነቶም ውጉኣትኩም ከዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ጣዖታትኩም ከውድቖም እየ።
ናይ ኰረብታ መስገዲኹም ከፍርሶ እየ፤ ናይ ፀሓይ ኣዕምድኹም ክሰብር እየ፤ ንሬሳኹም ድማ ናብ ልዕሊ እቶም ህይወት ዘይብሎም ዝወደቑ ጣዖታትኩም ክድርብዮ እየ፤ ኣነ ኸዓ ኽፅየፈኩም እየ።