30 “ደቂ ይሁዳ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ገበሩ፤ ዘፀይፍ ጣዖት ኣብኡ ብምቕማጥ ከዓ፥ ነቲ ብስመይ ዝተሰምየ ቤት ኣርከስዎ።
ነቲ ኣቦኡ ሕዝቅያስ ዘፍረሶ፥ ጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፤ ንጣዖት በዓል ከዓ መሰውኢታት ኣቖመ፤ ከምቲ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ዝገበሮ ድማ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ገበረ፤ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይ ከዓ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን።
ኣብታ እግዚኣብሄር “ስመይ ኣብኣ ኸንብር እየ” ኢሉ ዝተዛረበላ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እንተይተረፈ ናይ ጣዖት መሰውኢታት ሰርሐ።
ነቲ ዝገበሮ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኣንበሮ። ግና እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን ከምዙይ ኢልዎም ነበረ፦ “ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኵለን ከተማታት ነገዳት እስራኤል ዝሓረኽዋ ኢየሩሳሌምን ስመይ ንዘለኣለም ከንብር እየ።
እቲ ንጉስ፥ ነቲ ነገስታት ይሁዳ ኣብ ናሕሲ ኣዳራሽ ኣካዝ ዝገበርዎ መሰውኢታትን፥ ነቲ ምናሴ ኣብ ክልቲኡ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ዝገበሮ መሰውኢታትን ኣፍረሶ፤ ኣድቀቖውን፤ ነቲ ሓመዱ ኸዓ ኣብ ለሰ ቄድሮን በተኖ።
ነቶም ባዕዳን ኣማልኽትን ነቲ ምስሊ ጣዖትን ድማ ኻብታ ቤት እግዚኣብሄር ኣውፅኦም፤ ነቲ ኣብቲ ቤት እግዚኣብሄር ዘለዎ ዀረብታን ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ነዲቕዎ ዝነበረ ዅሉ መሰውኢታት ኣርሒቑ ናብ ወፃኢ ኸተማ ደርበዮ።
ነቲ ኣቦኡ ሕዝቅያስ ዘፍረሶ ጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፤ ንጣዖታት በዓል ከዓ መሰውኢታት ሰርሐ፤ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ገበረ። መምለኺ ዓፀዳትውን ተኸለ። ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይ ድማ ሰገደሎምን ኣምለኾምን።
ነቲ ዝገበሮ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ኣብቲ ቤት እግዚኣብሄር ኣንበሮ፤ ግና እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን ከምዙይ ኢልዎም ነበረ፦ “ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኵለን ከተማታት ነገዳት እስራኤል ዝሓረኽዋ ኢየሩሳሌምን ስመይ ንዘለኣለም ከንብር እየ።
ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ገበሩ፤ ደስ ዘየብለኒውን ሓረዩ እምበር፥ ፀዊዐ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይን፤ ተዛሪበ ኸዓ ኣይሰምዑንን እሞ፥ ኣነ ኸዓ ዝጐድኦም ክሓሪ፥ ዝፈርሕዎ ድማ ኸውርደሎም እየ።”
ንምድረይ በቶም በድኒ ዝኾኑ ጣዖታቶም ኣርኪሶምዋ፤ ንርስተይውን ብዘፀይፉ ጣዖታቶም መሊኦምዋ እዮም እሞ፥ ሕነ በደሎምን ሓጢኣቶምን ካዕበት ክፈድዮም እየ።”
“ነቢይን ካህንን ረኸሱ፤ ኣብ ቤተ መቕደስውን እንተይተረፈ፥ ክፍኣቶም ሪአ ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ነታ ብስመይ ዝተፀውዐት ቤት ምእንቲ ኸርክስዋ ርኽሰቶም ኣብኣ ኣንበሩ።
ኣወዳትን ኣጓላትን ደቆም ንሞሎኽ ምእንቲ ኽስውኡ፥ ኣብ ለሰ ወዲ ሄኖም፥ ንበዓል መስገዲ ዀረብታታት ሰርሑ። ንይሁዳ ናብ ሓጢኣት ከእትዉ፥ ከምዙይ ዝበለ ርኽሰት ክፍፅሙ፥ ኣነ ኣይኣዘዝኩን ፈፂመውን ኣይሓሰብኩን።”
መልክዕ ሽልማቶም ንትዕቢት ኮኖም፤ ምስሊ ርኽሰቶምን እቶም ዘፈንፍኑ ጣዖታቶምን ንርኽሰት ገበርክዎ።
ንሱ ኸዓ ኢድ እትመስል ዘርግሐ፤ ብፀጕሪ ርእሰይ ድማ ሓዘኒ፤ መንፈስውን ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ኣልዓለኒ፤ ብራእይ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ወሰደኒ፤ ናብቲ ውሽጣዊ ዓፀድ፥ በቲ ንሰሜን ኣቢሉ ዘርኢ ኣፍደገ ኣምፅአኒ፤ ኣብኡውን እቲ ንቕንኣት ዘለዓዕል ምስሊ፥ ናይ ቅንኣት ጣዖት ተተኺሉ ነበረ።
እቶም ሰራዊት ምስኡ ኽቖሙ እዮም፤ መቕደስን ቅፅሩን ድማ ኸርክሱ እዮም፤ ነቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ እውን ከውግዱ እዮም፤ ነቲ ጥፍኣት ዘምፅእ፥ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ከቑሙ እዮም።
እቲ ሓለቓ ንሓደ ሱባዔ፥ ምስ ብዙሓት ፅኑዕ ኪዳን ክኣቱ እዩ። ኣብ ፍርቂ እቲ ሱባዔ ኸዓ፥ ነቲ መስዋእቲ ሕሩድን፥ ነቲ መስዋእቲ ቝርባንን፥ ከወግድ እዩ። እቲ መጥፍኢ ድማ በኽናፍ ርኽሰት ክመፅእ እዩ። እዙይ ከዓ ኽሳዕ እቲ ምዱብ መፈፀምታ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መጥፍኢ ኽፈስስ እዩ።”