Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 7:28 - መፅሓፍ ቅዱስ

28 ንድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዘይሰምዑ፥ ተግሳፅ ከዓ ዘይቕበሉ ህዝቢ እዚኣቶም እዮም። ሓቂ ጠፊኣ እያ፤ ካብ ኣንደበትኩምውን ርሒቃ እያ፤ ክትብሎም ኢኻ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 7:28
21 Referencias Cruzadas  

ንስንሳቶም ከንቱ ነገር ይናገሩ፤ ብጠባሪ ኸንፈርን ብኽልተ ልብን ይዛረቡ።


ንስኻስ ተግሳፀይ ፀላእኻ፤ ንቓላተይውን ንድሕሬኻ ደርበኻዮ።


ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ፥ ናይ ጥበብ መጀመርታ እዩ፤ ሰነፋት ግና ንጥበብን ንተግሳፅን ይንዕቕዎ።


ንሳቶም ዓመፀኛ ህዝቢ፥ ሓሰውቲ ውሉድ፥ ንሕጊ እግዚኣብሄር ምስማዕ ዘይደልዩ ውሉድ እዮምሞ።


ንሳቶም ናብ ሓጢኣት እቶም ንቓለይ ምስማዕ ዝኣበዩ ቐዳሞት ኣቦታቶም ተመለሱ። ንኸምልኹዎም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ሰዓቡ። ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ኪዳነይ ኣፍረስዎ።


ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ኣየስተውዓሉንውን፤ ከይሰምዑሞ ኸይግሰፁ ኽሳዶም ኣትረሩ።


ኣነ ንደቅኹም ብኸንቱ ቐፃዕኽዎም፤ ንሳቶም ግና ኣይተቐፅዑን። ሰይፍኹም ከም ዝሰላልዕ ኣንበሳ ንነቢያትኩም በልዖም።


ገፆም ዘይኮነስ ዝባኖም ሃቡኒ፤ መላሊሰ እኳ እንተ መሃርክዎም፥ ኣይሰምዑንን ተግሳፅውን ኣይተቐበሉን።


ኣብ መንገድታት ኢየሩሳሌም ዙሩሞ፥ ረአዩን ተመልከቱን፤ ኣብ ዕዳጋታታ ኸዓ ድለዩ፤ ሓደ፥ እወ ሓደ እኳ ፍትሒ ዝገብር፥ ሓቂ ኸዓ ዝደሊ እንተ ረኸብኩም፥ ኣነውን ክምሕራ እየ።


ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣዒንትኻዶ፥ ሓቂ ኣይኮናን ዝደልያ? ወቓዕኻዮም ግና ኣየሕመሞምን። ደቘስካዮም ግና ኣይተቐፅዑን፤ ገፆም ከም ኰዅሒ ኣትረሩ፤ ብንስሃ ምምላስውን ኣበዩ።


ድምፂ መለኸት ስምዑ ኢለ ሓለውቲ ሸምኩልኩም፤ ንሳቶም ግና “ኣይንሰምዕን” በሉ።


ኵላቶም የመና ዓመፀኛታት እዮም፤ ከም ነሃስን ሓፂንን ዝተረሩ ጠለምትን ከዳዓትን እዮም። ኵላቶም ሓሜት እናዘርኡ ይኸዱ፤ ነሃስን ሓፂንን እዮም፤ ብልሽዋት እዮም።


ኦ ኢየሩሳሌም፥ ኣነ ኸይሓድገክን፥ ሰብ ዘይብላ ምድረ በዳውን ኸይገብረክስ ተግሳፅ ተቐበሊ።”


ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ “ሓቅን ምሕረትን ንእግዚኣብሄር ምፍላጥን፥ ኣብታ ምድሪ የለን፤ እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ነገር ኣለዎ እሞ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።


ንድምፂ ኣይሰምዐትን፤ ተግሳፅውን ኣይተቐበለትን፤ ብእግዚኣብሄር ድማ ኣይተኣመነትን፤ ናብ ኣምላኻውን ኣይቀረበትን።


ኣነ ድማ ደጊምስ ከኽብሩንን ተግሳፀይ ክቕበሉን፥ ምእንቲ መንበሪኦም ከይጠፍእ፥ ነቲ ዝኣዘዝኩዎምውን ኣይርስዑን እዮም ኢለ ነይረ፤ ንሳቶም ግና ኣንጊሆም ግብሮም ኣርከሱ።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos