25 ካብታ ኣቦታትኩም ካብ ምድሪ ግብፂ ዝወፁላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ፥ ንዅላቶም ኣገልገልተይ ነቢያት ለኣኽኩልኩም፤ ኣብ ፀፅባሕውን ለኣኽኩልኩም።
እግዚኣብሄር፥ ናብኡ ምእንቲ ኽመልስዎም ኢሉ ነቢያት ሰደደሎም፤ ንሳቶምውን ይግስፅዎ ነበሩ፤ እንተ ኾነ ኣይሰምዕዎምን።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ከዓ ንህዝቡን ነታ ቤተ መቕደሱን ስለ ዝደንገፀሎም፥ ብልኡኻቱ ገይሩ ጊሓት ጊሓት የጠንቅቖም ነበረ።
ንሕና ኻብ ዘመን ኣቦታትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ፥ በደልና ዓብዪ እዩ። ብሰንኪ ሓጢኣትና ድማ ንሕናን ነገስታትናን ካህናትናን፥ ሎሚ ኸም ዝኾነ፥ ንሰይፍን ንምርኮን ንምብዝባዝን ንምሕፋር ገፅን ክንከውን ድማ ኣብ ኢድ ባዕዳን ነገስታት ምድሪ ተደርበና።
“ንሳቶም ግና እምቢተኛታት ኮይኖም ኣበዩን ካባኻ ኸድዑን፤ ንሕግኻ ድማ ንድሕሪኦም ደርበይዎ። ነቶም ናባኻ ኽምለሱ ዝመዓድዎም ነቢያትካ ቐተልዎም፤ ንኣኻውን የመና ኣቘጥዑኻ።
ግና ብዙሕ ዓመታት ተዓገስካዮም፤ ብኢድ ነቢያትካ ብመንፈስካ መስከርካሎም፤ ንሳቶም ግና ኣእዛኖም ኣይመለሱልካን። ሽዑ ናብ ኢድ ሃገራት ኣህዛብ ኣሕሊፍካ ሃብካዮም።
ነታኽልቲ ወይነይ ካብዝ ዝገበርኩሉ ንላዕሊ፥ እንታይ ክግበረሉ ይግባእ ነይሩ? ጥዑም ወይኒ ኽፈሪ እዩ ኢለ እናተፀበኽዎስ፥ ስለ ምንታይ እዩ መፂፅ ፍረ ዝፈረየ?
ነቦታቶም ካብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኽዎም፥ ክእዘዙኒ ኣበርቲዐ ኣጠንቀቕኩዎም፤ እወ፥ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኸየቋረፅኩ ኣጠንቀቕኩዎም።
“ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ካብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ፥ ንዕስራን ሰለስተን ዓመት ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤ ኣነውን ኣንጊሀ ተሲአ ነገርኩኹም፤ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምንን።
እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣገልገልቱ ነቢያት ኣንጊሁ ለኣኾም፤ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምዎን፤ ክትሰምዕዎ ኢልኩምውን፥ ኣእዛንኩም ፅን ኣየበልኩምን።
እዝ ዝበፅሖም ዘሎ ኸዓ፥ ብኣገልገልተይ ነቢያት ገይረ እንተየቋረፅኩ ዝለኣኽኩሎም ቃለይ፥ ምስማዕ ስለ ዝኣበዩ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩምውን ኣይሰማዕኹምንን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እቲ ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ንደቁ፥ “ወይኒ ኣይትስተዩ” ኢሉ ዝኣዘዞም ቃል ተፈፀመ። ንሳቶም ንትእዛዝ ኣቦኣቶም ሰሚዖም፥ ክሳዕ ሎሚ ወይኒ ኣይሰትዩን እዮም። ኣነውን ኣንጊሀ ተሲአ ተዛሪበኩም ኣለኹ፤ ተናገርኩ ግና ንስኻትኩም ኣይሰማዕኹምንን።
ኣነ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ ኽፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ ግብርኹም ከዓ ኣቕንዑ፤ ክተምልኽዎም ኢልኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትከተሉ፤ ሽዑ ኣብታ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሃብክዋ ሃገር ክትነብሩ ኢኹም ኢለ ኣንጊሀ ተሲአ፥ ንኣገልገልተይ ነቢያት ለኣኽኩልኩም፤ ደጋጊመውን ለኣኽኩልኩም፤ ንስኻትኩም ግና ኣእዛንኩም ፅን ኣየበልኩምን፤ ነኣይውን ኣይሰማዕኹምንን።
ኣነስ ኣንጊሀ ተልዒለ ንዅላቶም ባሮተይ ነቢያት ሰደድኩልኩም፤ ከምቲ ኣነ ዝፀልኦ ርኹስ ነገር ኣይትግበሩ በልኩኹም።
ሕዚ ኸዓ እዝ ዅሉ ስለ ዝገበርኩም ኣንጊሀ ተሲአ ተዛረብኩኹም፤ ኣይሰማዕኹምን፤ ፀዊዐኩምውን ኣይመለስኩምን።
በለኒውን፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ናብ ደቂ እስራኤል፥ ናብቶም ካባይ ዝዓመፁ ዓመፀኛታት ህዝቢ እልእኸካ ኣለኹ፤ ንሳቶምን ኣቦታቶምን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዓሚፆሙኒ ኣለዉ።
ህዝበይ ብምዕማፅ፥ ልቡ ኻባይ ረሓቐ። ናብቲ ልዑል እንተ ፀውዕዎም እኳ፥ ልዕል ልዕል ከብሎም ኣይኽእልን።”
“ንነቢያት ተዛረብክዎም፤ ብዙሕ ራእያትውን ኣርአኽዎም፤ ብኢድ ነቢያት ገይረ ድማ ምስላታት ነገርኩ።
ካብ ኣወዳት ደቅኹም ንነቢያት፥ ካብ ኣጓብዝኩም ከዓ ንናዝራውያን ኣተሳእኹ። ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ እዙይ ከምኡዶ ኣይኮነን? ይብል እግዚኣብሄር።
ካብ ዘመን ኣቦታትኩም ጀሚሩ፥ ካብ ትእዛዛተይ ድሕር ኢልኩም ኢኹም፤ ኣይሓለኹምዎንውን፤ ናባይ ተመለሱ፤ ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና ብኸመይ ኢና እንምለስ ትብሉ ኣለኹም።
ስለዙይ ድማ ጥበብ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለት፦ ‘ነቢያትን ሃዋርያትን ናብኣቶም ክልእኽ እየ፤ ካብኣቶም ከዓ ንብዙሓት ክቐትልዎምን ከሳጕጉዎምን እዮም።’
“እምበኣር ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ምድረ በዳ ኸመይ ከም ዘቘጣዕኹምዎ ኣይትረስዑ። ካብታ ኻብ ሃገር ግብፂ ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ጀሚርኩም፥ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽሳዕ እትበፅሑ፥ ንእግዚኣብሄር ከም ዝዓመፅኩም ዘክሩ።