22 ነቦታትኩም ካብ ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ብናይ መስዋእትን ዝቃፀል መስዋእትን ኣይተዛረብክዎምን ኣይኣዘዝክዎምንውን።
መስዋእትን ቍርባንን ኣይፈተኻን፤ ስጋ ኣዳለኻለይ፤ ዝቃፀልን ስለ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ኣይትደልን ኢኻ።
ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን፥ ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ዝኾነ ጥራሕ ገበሩ እምበር፥ ሓደ ነገር ኣይሰርሑን፤ ብሓቂውን ህዝቢ እስራኤል ብስራሕ ኢዶም ኣቘጥዑኒ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ካብ መስዋእቲ ምሕረት፥ ካብ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ምፍላጥ እፈቱ እየ።
‘ምሕረት ደኣ እምበር፥ መስዋእቲ ኣይኮንኩን ዝደሊ’ ዝብል እንታይ ምዃኑ ኺዱ መርሚርኩም ፍለጡ። ኣነ ንሓጥኣን ናብ ንስሃ ኽፅውዕ እምበር፥ ንፃድቃን ክፅውዕ ኣይመፃእኹን” በሎም።
‘ብምሉእ ልብኻን፥ [ብምሉእ ነፍስኻን] ብምሉእ ኣእምሮኻን፥ ብምሉእ ሓይልኻን ምፍቃር፤ ንብፃይካውን ከም ነፍስኻ ምፍቃር’ እዙይ ካብ ኵሉ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ካብ ኵሉ ኻልእ መስዋእትን ይበልፅ እዩ” በሎ።
ከይዱ ኸዓ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ብምጥሓስ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፥ ንፀሓይ ወይ ንወርሒ ወይ ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይ እንተ ኣምለኾምን እንተ ሰገደሎምን፥
ሳሙኤል ከዓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ንእግዚኣብሄርስ፥ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን፥ ከም ምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሐጕሶ እዩ? እንሆ፥ ንእኡ ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ፥ ቃሉ ምስማዕውን ስብሒ ማጓሉ ኻብ ምቕራብ ይበልፅ።