21 ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ነቲ ዝቃፀል መስዋእትኹም ኣብቲ ኻልእ መስዋእትኹም ወስኽዎ እሞ፥ ነቲ ስጋኡውን ብልዑ።
ስለ መስዋእትኻ ዝዘልፈካ ኣይኮንኩን፤ እቲ ዝቃፀል መስዋእትኻ ዅልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዩ።
ንዝቃፀል መስዋእቲ በጊዕ ኣየቕረብካለይን፤ ብመስዋእትታትካ ድማ ኣየኽበርካንን። ኣነ ብእኽሊ ቝርባን ኣየሸገርኩኻን፤ ‘ዕጣን ኣቕርበለይ’ ኢለውን ኣየሰልከኹኻን።
እንተ ፆሙ ፀሎቶም ኣይሰምዕን፤ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን እኳ እንተ ኣቕረቡለይ ኣይቅበለሎምን እየ። እኳ ደኣ ብውግእን ብጥሜትን ብፌራን ከጥፍኦም እየ” በለኒ።
ስለ ምንታይ ዕጣን ካብ ሳባ፥ ምዑዝ ቃንጫ ድማ ኻብ ርሑቕ ሃገር እተቕርቡለይ? ዝቃፀል መስዋእትኹም ደስ ኣየብለንን እዩ፤ እቲ ኻልእ መስዋእትኹምውን ኣየብህገንን እዩ።
“ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ ምስ ደም ጌርኩም ትበልዑ ኣለኹም፤ ኣዒንትኹም ድማ ናብ ጣዖታትኩም፥ ቈላሕ ይብላ ኣለዋ። ደም ትኽዕዉ ኣለኹም፤ ምስ ናይ እዙይስ፥ ነታ ምድሪዶ ኽትወርስዋ ኢኹም።
መስዋእተይ የቕርቡ፤ ስጋ ኸዓ ይሓርዱ፤ ይበልዑውን፤ እግዚኣብሄር ግና ኣይቕበሎምን፤ ንበደሎም ክዝክሮ፥ ንሓጢኣቶም ድማ ኽቐፅዕ እዩ፤ ንሳቶምውን ናብ ግብፂ ኽምለሱ እዮም።
ነቲ ዝቃፀል መስዋእትኹም፥ ስጋኡን ደሙን፥ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሰውእዎ፤ እቲ ደም መስዋእቲ ሕሩድኩም ድማ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ይፍሰስ፤ ነቲ ስጋ ኸዓ ብልዕዎ።