19 ንኣይ ከቘጥዑ ድዮም? ይብል እግዚኣብሄር፤ ንገፆምስ ሕፍረትዶ ኣይኮነን?
ንሕና ኻብ ዘመን ኣቦታትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ፥ በደልና ዓብዪ እዩ። ብሰንኪ ሓጢኣትና ድማ ንሕናን ነገስታትናን ካህናትናን፥ ሎሚ ኸም ዝኾነ፥ ንሰይፍን ንምርኮን ንምብዝባዝን ንምሕፋር ገፅን ክንከውን ድማ ኣብ ኢድ ባዕዳን ነገስታት ምድሪ ተደርበና።
ሓጢኣት እንተ ገበርካ፥ እንታይ ትጐድኦ? በደልካ እንተ በዝሐኸ እንታይ ትገብሮ?
እምቢ ኢልኩም እንተ ዓሚፅኩም ግና፥ ሰይፊ ኽበልዐኩም እዩ። ኣፍ እግዚኣብሄር ነዙይ ተዛሪቡ እዩ እሞ።”
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ እቲ ናይ እስራኤል ሓያል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ልዕሊ ተፃረርተይ ቍጥዓይ ክገልፅ እየ። ነቶም ዝቃወሙኒውን ክብቀሎም እየ።
እቶም ጣዖታት ዝሰርሑ ዅሎም፥ ክሓፍሩን ክዋረዱን እዮም።
እኖ ሸውዓተ ደኸመት፤ ነፍሳውን ተሃወኸት፤ ቀትሪ እናሃለወ ፀሓይ ዓሪባታ እያሞ፥ ንሳ ሓፈረት፥ ተዋረደትውን፤ ነቶም ዝተረፉውን፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም ንሰይፊ ኸወፍዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እዝ ዅሉ ዝወረደኪ ብቕኑዕ መንገዲ ንዝመርሐኪ፥ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ፥ ስለ ዝሓደግክኒዶ ኣይኮነን?
ክፍኣትኪ ኽግስፀኪ፥ ጥልመትኪ ኸዓ ኽዘልፈኪ እዩ። ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ምሕዳግን፥ ንኣይ ዘይምፍራሕን ክንደይ ክፉእን መሪርን ከም ዝኾነ ፍለጢ፤ ኣስተውዕሊውን! ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ግና እግዚኣብሄር፥ ከም ሓያልን ከም ጨካንን ምሳይ እዩ፤ ስለዙይ እቶም ዘሳጕጉኒ፥ ክሰናኸሉ እዮም እምበር ኣየሸንፉንን፤ ፈፂሞም ክዋረዱ እምበር ኣይሰምረሎምን፤ ውርደቶም ድማ ንሓዋሩ ኣይርሳዕን እዩ።
ኵሎም ጓሶትኪ ብንፋስ ክጓሰዩ እዮም፤ ፈተውትኺውን ተማሪኾም ክኸዱ እዮም፤ ሽዑ ብሰንኪ ኽፍኣትኪ፥ ክትሓፍርን ክትዋረድን ኢኺ።
ግና ኣይሰማዕኹምንን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ብስራሕ ኣእዳውኩም ኣቘጣዕኹምኒ፤ ኣብ ልዕሌኹምውን ክፉእ ነገር ኣምፃእኹም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ምስማዕ ስለ ዝኣበና፥ ንሕናን ኣቦታትናን፥ ካብ ንእስነትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ዝበደልና፥ ኣብ ሓፍረትና ፈፈው ንብል፤ ነውርና ኸዓ የጐልብበና።
እዙይ ዝኾነ ኸዓ ምእንቲ ኸቘጥዑኒ ብሰንኪ እቲ፥ ንሳቶም ኮነ ንስኻትኩም ወይ ኣቦታትኩም ዘየምለኽዎም፥ ንዘይፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸገልግሉን ዕጣን ክዓጥኑን ኢሎም ዝገበርዎ ዅሉ ኽፍኣቶም እዩ።
“እግዚኣብሄርዶ ኣብ ፅዮን የለን እዩ? ንጉሳኸ ኣብኣ የለን ድዩ?” ዝብል ኣውያት ጓል ህዝበይ፥ ካብ ርሑቕ ሃገር ይስማዕ ኣሎ። “ስለ ምንታይ ደኣ ብቕሩፅ ምስልታቶምን ብጓኖት ጣዖታቶምን ዘቘጥዑኒ?”
“ኣታ ኽንደይ ተዘመትና! ንኣባይትናውን ኣፍሪሶምዎ እዮም እሞ፥ ምድርናውን ሓዲግና ኢናሞ፥ ውርደትናኸ ኽንደይ ዓብዪ እዩ!” ዝብል ድምፂ ቝዘማ ኻብ ፅዮን ይስማዕ ኣሎ።
ምስቶም ስጋኦም ዝገዘፈ ጐረባብትኺ ግብፃውያን ዘሞኺ፤ ቍጥዓይ ንምልዕዓል ከዓ ዝሙትኪ ኣብዛሕኺ።
እምበኣርከ ንእግዚኣብሄርዶ ኽነቕንኦ? ንሕናዶ ኻብኡ ንብርትዕ ኢና?
ብባዕዳን ኣማልኽቲ ኣቕንእዎ፤ ብርኵሰቶምውን ኣቘጥዕዎ።