15 ከምቲ ንዅሎም ኣሕዋትኩም፥ ንዅሎም ዘርኢ ኤፍሬም ዘወገድኩምዎ፥ ካብ ቅድመይ ከወግደኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እግዚኣብሄር ከዓ ንእስራኤል፥ ከምቲ ብዅሎም ባሮቱ ነቢያት ተዛሪብዎ ዝነበረ ኻብ ቅድሚኡ ደርበዮም። ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ኸዓ ብኣሶራውያን ተማረኹ።
እዝ ዅሉ ዝኾነ ኸዓ እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌምን ንይሁዳን የመና ስለ ዝተቘጥዐን እዩ። ካብ ቅድሚ ገፁ ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ሴዴቅያስ ድማ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ባቢሎን ዓመፀ።
ንዅሉ ይሁዳን ብንያምን ነቶም ካብ ኤፍሬምን ምናሴን ስምኦንን መፂኦም ምስኣቶም ዝነብሩ ዝነበሩ ስደተኛታትውን ኣከቦም፤ እዚኣቶም ኵሎም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስ ንጉስ ኣሳ ኸም ዘሎ ሪኦም፥ ካብ እስራኤል መፂኦም ናብኡ ዝተፀግዑ እዮም።
ካብ ገፅካ ኣይትደርብየኒ፤ ቅዱስ መንፈስካውን ካባይ ኣይትውሰደለይ።
እቲ ህፃን ንኽፉእ ምእባይ ንሰናይ ከዓ ምሕራይ እንተይፈለጠ፥ ሃገራት እቶም እትፈርሖም ዘለኻ ኽልተ ነገስታት ክባድማ እየን።”
ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፤ “ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሎም እንተ ዝልምኑኒ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ልበይ ኣይርህርሀሎምን፥ ካብ ቅድሚ ገፀይ ኣውፅኣዮምሞ ይኺዱ።
“እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ወይ ነቢይ፥ ወይ ካህን ‘ፆር እግዚኣብሄር እንታይ እዩ?’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ ‘ፆሩ ንስኻትኩም ኢኹም፤ ግና ኽድርብየኩም እየ’ ይብል እግዚኣብሄር ኢልካ መልሰሎም።
ስለዙይ ንኣኻትኩም ፈፂመ ኽርስዐኩም እየ፤ ከምኡውን ንኣኻትኩምን ነታ ነቦታትኩም ዝሃብክዋ ኸተማን፥ ኣብ ቅድመይ ክድርብየኩም እየ።
ነዛ ኸዳዕ እስራኤል ብሰንኪ ዝሙታ ኸም ዝፈታሕኽዋ ዘመልክት ፅሑፍውን ከም ዝሃብክዋ፥ ሪኣ እታ ጠላሚት ሓፍታ ይሁዳ ኣይፈርሐትን፤ ከይዳውን ከም ዘመንዘረት ረአኹ!
እግዚኣብሄር ከዓ የመና ስለ ዝተቘጥዐ፥ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ዝነብሩን ህዝቢ፥ ካብ ቅድሚ ገፁ ምእንቲ ኽሰጎም፥ ሴዴቅያስ ኣብ ልዕሊ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዓመፀ።
“ኣታ ኽንደይ ተዘመትና! ንኣባይትናውን ኣፍሪሶምዎ እዮም እሞ፥ ምድርናውን ሓዲግና ኢናሞ፥ ውርደትናኸ ኽንደይ ዓብዪ እዩ!” ዝብል ድምፂ ቝዘማ ኻብ ፅዮን ይስማዕ ኣሎ።
ብመንገዲ ሓፍትኺ ኸድኪ፤ ስለዙይ ከዓ ኣነ ነታ ፅዋዕ፥ ኣብ ኢድኪ ኽህበኪ እየ።”
“ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ ምስ ደም ጌርኩም ትበልዑ ኣለኹም፤ ኣዒንትኹም ድማ ናብ ጣዖታትኩም፥ ቈላሕ ይብላ ኣለዋ። ደም ትኽዕዉ ኣለኹም፤ ምስ ናይ እዙይስ፥ ነታ ምድሪዶ ኽትወርስዋ ኢኹም።
እግዚኣብሄር ድማ “ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ንደም ኢይዝራኤል፥ ኣብ ልዕሊ ቤት ኢዩ ኽብቀል እየ፤ ንመንግስቲ ቤት እስራኤል ድማ ኸጥፍኣ እየ እሞ፥ ስሙ ኢይዝራኤል ኢልካ ስመዮ።
ኤፍሬም ንፋስ ይምገብ፤ ደድሕሪ ንፋስ ምብራቕ ከዓ ይስዕብ። ኵሉ መዓልቲ ሓሰትን ዓመፅን የብዝሕ። ምስ ኣሶር ቃል ኪዳን ይኣትዉ፤ ናብ ግብፂ ድማ ዘይቲ ይወስዱ።
ሰብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ ኣምላኾም ዓሚፆም እዮም እሞ፥ በደሎም ክስከሙ እዮም። ብሰይፊ ኽወድቑ እዮም፤ ህፃናቶም ክጭፍለቑ፥ ጥኑሳት ኣንስቶም ድማ ኸብደን ክቕደዳ እየን።”
“ካባይ ሃዲሞም እዮም እሞ፥ ወይለኦም! ካባይ ዓሚፆም እዮም እሞ፥ ጥፍኣት ይምፅኣዮም። ከናግፎም ደለኹ፤ ንሳቶም ግና ኣብ ልዕለይ ብሓሰት ይናገሩ።
ኣነ ኸም ዝረአኽዎ፥ ደቂ ኤፍሬም ንምርኮ ተውሂቦም እዮም። ኤፍሬምውን ንደቁ ናብ ቀተልቲ ኸውፅእ እዩ።
ኣብ ምድሪ እግዚኣብሄር ኣይነብሩን እዮም፤ ኤፍሬምውን ናብ ግብፂ ኽምለስ እዩ፤ ኣብ ኣሶር ከዓ ርኹስ ምግቢ ኽበልዑ እዮም።
ከምቲ ኣብ ዘመን ጊብዓ ዝነበረ የመና ረኸሱ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽፍኣቶም ክዝክር እዩ፤ ስለ ሓጢኣቶምውን ክብቀሎም እዩ።
ኣነ ኸዓ፥ ‘ካብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ተሰጐጕኩ፤ ግና ናብ ቅዱስ መቕደስካ መሊሰ ኽጥምት እየ’ በልኩ።
ካብ ኤፍሬም ወዲ ዮሴፍ ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥