9 ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰብ ወይኑ ኸም ዝቕርም ከምኡ፥ ነቶም ተረፍ እስራኤል ክቕርምዎም እዮም፤ ከምቲ ኣራዪ ዘቢብ ኣብ ሃረግ ዝገብሮ መመሊስካ ኢድካ ዘርግሕ።”
በታ ንሰብ ኣናቶት ዝቐፅዐላ ዓመት፥ ኣብኣቶም መዓት ከውርድ እየ እሞ፥ ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣይተርፍን።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ብዙሓት ኣስገርቲ ዓሳ ኽሰደሎም እየ፤ ንሳቶም ድማ ኽገፍዎም እዮም። ብድሕሪዙይ ብዙሓት ሃደንቲ ኽሰድድ እየ፤ ንሳቶምውን ካብ እምባታትን ኰረብታታትን ካብ ውሽጢ ነቓዓት ኣኻውሕን ክሃድንዎም እዮም።
ኣከብቲ ወይኒ እንተ መፁኻ ቐሪምዶ ኣይሓድጉን? ሰረቕቲኸ ብለይቲ እንተ መፁ ዝደለይዎ ወሲዶም ኣይሓደጉልካንዶ?
ኵሎም እቶም ካብዝ ኽፉእ ወለዶ እዙይ ዝተረፉ፥ ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጕክዎም ስፍራ ዘለዉ፥ ብህይወት ካብ ምንባር ሙማት ክመርፁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ካብቲ መሰውኢ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ስልጣን ዘለዎ፥ ሓደ ኻልእ መልኣኽ ወፀ። ነቲ በሊሕ ማዕፂድ ዝሓዘ መልኣኽ ከዓ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ፥ “እቲ ዘለላ ወይኒ፥ በሲሉ እዩ እሞ፥ ነቲ በሊሕ ማዕፂድካ ሰዲድካ፥ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘለላ ወይኒ ቘሪፅካ ኣክቦ” በሎ።