29 እቲ መናፍሕ ይነፍሕ፤ እቲ ዓረር ብሓዊ መኸኸ። እቶም ክፉኣት ካብ መንጎኣቶም ስለ ዘይተፈልዩ ኸዓ ንህዝበይ ምንፃህ ከንቱ እዩ።
ብሩር ብመምከኺ፥ ወርቂ ድማ ብከውሪ ኸም ዝፍተን፥ እግዚኣብሄር ድማ፥ ንልቢ ይፍትኖ።
ኣነ ግና “ብኸንቱ ፀዓርኩ፤ ጥቕሚ ንዘይብሉ ብኸምኡ ሓይለይ ወዳእኹ፤ ግና ፍርደይ ኣብ እግዚኣብሄር፥ ዓስበይውን ኣብ ኣምላኸይ እዩ” በልኩ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንተ ተመሊስካ፥ ክመልሰካ እየ፤ ኣብ ቅድመይውን ደው ክትብል ኢኻ። ነቲ ዝኸበረ ኻብቲ ሕሱር እንተ ፈሊኻዮ፥ ኣፍ ክትኮነኒ ኢኻ። ንሳቶም ናባኻ ይምለሱ እምበር፥ ንስኻ ናብኣቶም ኣይትምለስን።
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኽዅልዖምን ክፍትኖምን እየ፤ ስለ ኽፍኣት ጓል ህዝበይ፥ ካብዙይ ዝበለ እንታይ ክገብር እኽእል?
ፃዕራ ኸንቱ እዩ፤ ምምራታ በርቲዑ እዩ እሞ፥ ብሓዊ እኳ ኣይለቅቕን እዩ።
ኣብ ርስሓትኪ ርኽሰት ኣሎ፤ ኣፅርየክስ ኣይፀረኽን ኢኺ እሞ፥ ሕነ ቝጥዓይ ክሳዕ ዝወፀልኪ፥ ካብ ርስሓትኪ ኣይትፀርዪን ኢኺ።
ህዝበይ ብምዕማፅ፥ ልቡ ኻባይ ረሓቐ። ናብቲ ልዑል እንተ ፀውዕዎም እኳ፥ ልዕል ልዕል ከብሎም ኣይኽእልን።”
ኣነ ኸዓ ነቶም ዝተረፉ ሳልሳይ ኣፍ፥ ናብ ሓዊ ኸእትዎም እየ፤ ብሩር ብሓዊ ኸም ዝዅላዕ ክዅልዖም፥ ወርቂ ብሓዊ ኸም ዝፍተን ከዓ ኽፍትኖም እየ። ንሳቶም ስመይ ክፅውዑ እዮም፤ ኣነውን ክሰምዖም እየ። ኣነ እዙይ ህዝበይ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ኽብሉ እዮም።”
እዝ ፈተና እዙይ ዝበፅሐኩም ከዓ፥ እቲ እምነትኩም ብሓዊ ኻብ ዝዅላዕ ብሉፅ ወርቂ፥ የመና ኸቢሩ ምእንቲ ኽርከብ እሞ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ክግለፅ እንተሎ፥ ምስጋናን ስብሓትን ክብርን ምእንቲ ኸምፅአልኩም እዩ።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከም ሓዊ ዘቃፅል ፈተና ኽረኽበኩም እንተሎ፥ ሓድሽ ነገር ከም ዝበፅሐኩም ኴንኩም ኣይትገረሙ።
ንሱ ኸዓ እቲ ብሩር ንኖኡ መለሰላ፤ እኖኡ ድማ ኽልተ ሚእቲ ቕርሺ ብሩር ወሲዳ ነንጠረኛ ሃበቶ። እቲ ኣንጠረኛ ኸዓ ነቲ ብሩር ዝተፀርበ ምስልን ዝፈሰሰ ምስልን ገበሮ። እቲ ምስሊ ድማ ኣብ ቤት ሚካ ነበረ።