27 መንገዶም ምእንቲ ኽትፈልጥን ክትምርምሮምን ኣብ ማእኸል ህዝበይ ፈታኒ ገይረ ኣቖምኩኻ።
እንሆ፥ ኵሎም ኣብታ ምድሪ ዘለዉ ነገስታት ይሁዳን ሹመኛታታን ካህናታን ህዝባን፥ ሎሚ ኸም ዝተዓረደት ከተማን ከም ዓምዲ ሓፂንን ከም ቅፅሪ ነሃስን ገይረካ ኣለኹ።
ነዝ ህዝቢ እዙይ ፅኑዕ ቅፅሪ ነሃስ ክገብረካ እየ። ንሳቶም ክዋግኡኻ እዮም፤ ግና ኣነ ምእንቲ ኸድሕነካን ከናግፈካን ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይስዕሩኻን እዮም።
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኽዅልዖምን ክፍትኖምን እየ፤ ስለ ኽፍኣት ጓል ህዝበይ፥ ካብዙይ ዝበለ እንታይ ክገብር እኽእል?
“ክትፈርዶም ዲኻ? ኣታ ወዲ ሰብ፥ ክትፈርዶም ዲኻ? ርኽሰት ኣቦታቶም ኣፍልጦም።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ክትፈርድዶ ኢኻ? ነዛ ኸተማ ደምዶ ኽትፈርዳ ኢኻ? እምበኣርከስ ኵሉ ርኽሰታ ኣፍልጣ።