24 “ወረኦም ሰማዕና፤ ኢድና ደኺማ ኣላ። ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ወላድ ሰበይቲ ቕልውላው ጭንቂ ሓዘና።
ኣብኡ ኸም ሕርሲ ወላድ ምንቅጥቃጥ ሓዞም።
ብሰንኪ እዙይ ሕቘይ የቐንዝወኒ ኣሎ፤ ክትሓርስ ከም ዝቐረበት ሰበይቲ ኸዓ እፅዓር ኣለኹ፤ ካብ ሕማመይ ዝተልዓለውን ኣይሰምዕን፤ ካብ ድንጋፀ ዝተልዓለውን ኣይርእን።
ንግሆ ንግሆ፥ ለይትን መዓልትን ክሓልፍ እዩ እሞ፥ ብዝሓለፈ ቝፅሪ ኽወስደኩም እዩ። ነዝ መልእኽቲ እዙይ ምስማዕ ራዕዲ ይኸውን።
እቶም ፈተውትኺ ክኾኑ፥ ባዕልኺ ዘሰልጠንክዮም፥ ገዛእትኺ ምስ ገበሮም እንታይ ክትብሊ ኢኺ? ከምታ ቕልውላው ዝተትሓዘት ሰበይቲዶ ኣይትሳቐዪን?
ኣቲ ኣብ ሊባኖስ እትነብሪ፥ ኣጒዶኺውን ብዕንፀይቲ ዝግባ እትሰርሒ፥ ኣብ ልዕሌኺ መከራ እንትመፅእ፥ ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ሰበይቲ፥ ኣውያትኪ ኸመይ ይኸውን!
እስኪ ጠይቑን ተመልከቱን፤ ታባዕታይዶ ኽወልድ ይኽእል? ስለ ምንታይ ደኣ እዩ ዅሎም እቶም ሰብኡት፥ ከምታ ንምውላድ እትፅዓር ሰበይቲ ኾይኖም፥ ኣእዳዎም ኣብ ሕቘኦም ገይሮም ዝርኢ ዘለኹ? ገፅ ኵሉ ሰብከ ፀሊሙ ዝረአ ዘሎ ስለ ምንታይ እዩ?
ከም እትሓርስ፥ በዅሪ ወዳውን ከም እትወልድ ሰበይቲ፥ ዝበለ ድምፂ ሰማዕኹ፤ ድምፂ ጓል ፅዮን ብድኻም ይልሕትት፤ ኣእዳዋውን ትዝርግሕ እሞ፥ ተቐቲሎም ካብ ዝሞቱ ዝተልዓለ፥ ነፍሰይ ላሕሊሓ ኣላሞ፥ ወይለይ በለት።
ከተማታት ክውረራ እየን፤ ዕርድታትውን ክተሓዝ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ልቢ እቶም ጀጋኑ ሞኣብ፥ ቅልውላው ሕርሲ ከም ዝሓዛ ሰበይቲ ክኸውን እዩ።
ደማስቆ ዛሕተለት፤ ክትሃድም ድማ ዘወር በለት፤ ከም እትወልድ ሰበይቲ እውን ጭንቕን ፃዕርን ሓዛ።
ንጉስ ባቢሎን ብዛዕባኣቶም ወረ ሰሚዑ፥ ኣእዳዉ ለሚሰን ኣለዋ፤ ከም እትወልድ ሰበይቲውን፥ ጭንቀትን ቅልውላውን ሒዝዎ ኣሎ።
ኵለን ኣእዳው ክዳኸማ፥ ኵለን ኣብራኽ ድማ ኸም ማይ ክፈሳ እየን።
ሽዑ ንጉስ ብልጣሶር የመና ደንገፀ፤ ገፁ ተለወጠ፤ መኳንንቱውን ተጨነቑ።
ኣነ ሰማዕኹ፤ ልበይውን ደንገፀኒ፤ ከናፍረይ በቲ ድምፁ ኣንቅጥቀጠ፤ ምንቅጥቃጥ ኣብ ውሽጢ ኣዕፅምተይ ኣተወ፤ ኣብ ስፍራይ ኮይነ ተናወፅኩ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘጨንቑኒ ህዝቢ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ንመዓልቲ መከራ ሃዲአ እፅበ ኣለኹ።
ሰባት “ሰላም እዩ፤ ዘተኣማምን እዩ” ኽብሉ እንተለዉ፥ ከምቲ ንነፍሰ ፁር ሕማም ሕርሲ ዝሕዛ፥ ብድንገት ጥፍኣት ክመፆም እዩ፤ ፈፂሞምውን ከምልጡ ኣይኽእሉን እዮም።