23 ቀስትን ኲናትን ዝሓዙ፥ ጨካናት፥ ምሕረትውን ዘይብሎም እዮም። ድምፆም ከም ባሕሪ ይሃምም፤ ኣብ ልዕሊ ኣፍራስውን ይቕመጡ። ኣቲ ጓል ፅዮን፥ ንሰልፊ ኸም ዝተዳለወ ሰብ ክዋግኡኺ ተዳልዮም ኣለዉ።”
በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ኖብ ይውዕል፤ ኢዱ ኣብ እምባ ጓል ፅዮን፥ ኣብ ኰረብታ ኢየሩሳሌም የዋጣውጥ ኣሎ።
መንትጎም ነጕባዝ ከውድቖም እዩ፤ ንፍረ ማህፀን ድማ ኣይምሕሩን እዮም፤ ኣዒንቶምውን ንህፃናት ኣይርህርሁሎምን እዮም።
ከም ምትማም ባሕሪ ንዝተሙ፥ ከም ብርቱዕ ማያት ድዋሕዋሕ ዝብል ድምፂ ዘስምዑ ህዝቢ ወይለኦም!
ንግብፃውያን ናብ ኢድ ጨካን ገዛኢ፥ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ ጨካን ንጉስ ድማ ኽገዝኦም እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ መዓት ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ኽሓልፍ፥ ብርቱዕ ንፋስ ኣውሎ ኸዓ ኻብ ወሰን ምድሪ ኽለዓል እዩ።”
ቃለይ ስለ ዘይሰማዕኹም፥ እንሆ፥ ንዅሎም ህዝብታት ሰሜንን ንኣገልጋሊየይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ከምፅኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ናብዛ ሃገር እዚኣን፥ ናብቶም ዝነብርዋን፥ ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታትን፥ ከምፅአሎም እየ። ፈፂመ ኸጥፍኦም፥ ንመሰክሕን ንመላገፅን ከዓ ኽገብሮም፥ ንዘለኣለም ድማ ኸባድሞም እየ።
ኵሎም ፈተውትኻ ረስዑኻ፤ ብኣኻውን ኣይግደሱን፤ ብሰንኪ ዓብዪ በደልካን፥ ሓጢኣትካውን ስለ ዝበዝሐን፥ ከም ፀላኢ ቐፃዕኹኻ፤ እወ፥ መቕፃዕትኻ ብርቱዕ ነበረ።
እንሆ ኸም ደመና ኾይኑ ይወፅእ ኣሎ፤ ሰረገላታቱ ኸም ኣውሎ ንፋስ እዮም፤ ኣፍራሱ ኻብ ንስሪ ይቕልጥፉ። ጠፊእና ኢና እሞ ወይለና!
እንሆ ኻብ ርሑቕ ሃገር ዝኸብብ ሰራዊት ይመፅእ ኣሎ፤ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ ይፍክሩለን ኣለዉ ኢልኩም ንኣህዛብ ንገርዎም፥ ንኢየሩሳሌምውን ኣፍልጥዋ።
ካብ ድምፂ ፈረሰኛታትን፥ ወርወርቲ ፍላፃታትን ዝተልዓለ፥ ኵሉ ኸተማታት ይሃድም፤ ገሊኣቶም ናብ ዕሙር ዱር ክኣትዉ፥ ገሊኣቶምውን ናብ በሪኽ ኣኻውሕ ክድይቡ እዮም። ኵለን ከተማታት ክሕደጋ እየን፤ ኣብኣተን ዝነብር ሰብ እውን ኣይርከብን።
መሕደሪ ፍላፃታቶም ከም ክፉት መቓብር እዩ፤ ኵላቶም ከዓ ጀጋኑ እዮም።
“እንሆ፥ ካብ ሃገር ሰሜን ህዝቢ ይመፅእ ኣሎ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ኸዓ፥ ዓብዪ ህዝብን ብዙሓት ነገስታትን ንውግእ ይለዓሉ ኣለዉ።
ቀስትን ኲናትን ዝሓዙ ጨካናትን፥ ምሕረት ዘይብሎምን እዮም። በፍራሶም እናጋለቡ እንትመፁ፥ ድምፆም ከም ባሕሪ ይሃምም፤ ኣቲ ጓል ባቢሎን፥ ንውግእ ከም ዝተዳለዉ ተዋጋእቲ፥ ተሰሊፎም ይመፁኺ ኣለዉ።
“ክትዋግእዋ ተዓጠቑ፤ ተስኡ ቐትሪ እንተሎ ንውፃእ፥ ምድሪ መስዩ እዩ፤ ፅላሎት ምሸት ከዓ ነዊሑ እዩሞ ወይለና።
ፀላእትና ድሮ ኽሳዕ ከተማ ዳን በፂሖም ኣለዉ፤ ድምፂ ኹርፋ ኣፍራሶም ኣብ ዳን ተሰምዐ። ብምሕምሓም ድንጉላ ኣፍራሶም ድማ ዅላ እታ ሃገር ትርዕድ። መፁ፤ ነታ ምድርን ኣብኣ ንዝነብሩ ዅሎምን ከዓ በልዕዎም።”
ንቝጥዓይ ኣብ ልዕሌኻ ክኽዕዎ፥ ሓዊ ቝጥዓይ ድማ ኡፍ ክብለልካ፥ ናብ ኢድ እቶም ከም ኣራዊት ዝበሉ፥ ምጥፋእ ዝተግባሮም ሰባት ክውፍየካ እየ።
“ቋንቋኣቶም ዘይትሰምዕዎም ህዝቢ፥ ከም ንስሪ ዝነፍሩ ህዝቢ፥ እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ፥ ካብ ወሰን ምድሪ፥ ናባኻትኩም ከምፅእ እዩ።