2 ነዛ ፅብቕትን ሕንቅቕትን ጓል ፅዮን ከጥፍኣ እየ።
ጓል ፅዮን ከዓ ኸምቲ መከላኸሊ ዘይብሉ፥ ኣብ ማእኸል ኣታኽልቲ ወይኒ ዘሎ ዳስ፥ ኣብ ውሽጢ ተኽሊ ዱባ ኸም ዘሎ ጐጆን፥ ከም ዝተኸበበት ከተማ ኾይና ተረፈት።
ከም እትሓርስ፥ በዅሪ ወዳውን ከም እትወልድ ሰበይቲ፥ ዝበለ ድምፂ ሰማዕኹ፤ ድምፂ ጓል ፅዮን ብድኻም ይልሕትት፤ ኣእዳዋውን ትዝርግሕ እሞ፥ ተቐቲሎም ካብ ዝሞቱ ዝተልዓለ፥ ነፍሰይ ላሕሊሓ ኣላሞ፥ ወይለይ በለት።
ኣሌፍ። እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ንጓል ፅዮን ከመይ ብደመና ኣጐልበባ። ነቲ ኽብሪ እስራኤል ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ደርበዮ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኡ ነታ መርገፂ እግሩ ዝኾነት ኣይዘከራን።
ሜም። ኦ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ብዛዕባኺ እንታይ ክምስክር እየ? ብመንከ ኽምስለኪ እየ? ኣቲ ድንግል ጓል ፅዮን፥ ኣነ ኸፀናንዐኪ ብምንታይ ከመዓራርየኪ እኽእል? ስብራትኪ ኸም ባሕሪ ዓሚቝ እዩ፤ መንከ ኸሕውየኪ ይኽእል?
እቶም ጥዑም ምግቢ ዝበልዑ ዝነበሩ፥ እንጀራ ስኢኖም ፈቐዶ መንገድታት ተንከራተቱ፤ እቶም ቀይሕ ሃሪ ተኸዲኖም ዝዓበዩ፥ ኣብ ልዕሊ ዅምራ ሓመድ ደቀሱ።
ኣባኻትኩም እታ ቝፅይፅይ እትብልን ሕንቅቕትን፥ ብሕንቃቐኣን ቍፅይፅይ ብምባላን ብእግራ ምድሪ ኽትረግፅ ዘይትደሊ ሰበይቲ እኳ ነቲ እትፈትዎ ሰብኣያን ንወዳን ንጓላን ብኽፉእ ዓይኒ ትሪኦም።