12 ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ኢደይ ክዝርግሕ እየሞ፥ ኣባይቶም፥ ገራሁኦምን ኣንስቶምን ብሓባር ንኻልኦት ክኾኑ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ዳዊት ድማ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቈላሕ ኣበለ፤ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ሰማይን ኣብ መንጎ ምድርን ደው ኢሉ፥ ዝተመዘዘት ሰይፊ ኸዓ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ዘርጊሑ ረአየ። ሽዑ ዳዊትን እቶም ዓበይትን ወጮ ተኸዲኖም ብገፆም ኣብ ምድሪ ተደፍኡ።
ተኣሲርኩም ኣብ ትሕቲ እሱራት ካብ ምድናንን፥ ምስቶም ዝተሓረዱውን ካብ ምድርባይን ኣይተምልጡን ኢኹም። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
ስለዙይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ነደደ፤ ኢዱ ኸዓ ኣብኣቶም ዘርጊሑ ወቕዖም፤ እምባታት ኣንቀጥቀጡ፤ ሬሳኣቶም ድማ፥ ከም ጐሓፍ ኣብ ማእኸል ኣደባባይ ኮነ። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን፥ ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
ሰብ ሶርያ ብምብራቕ፥ ፍልስጥኤማውያን ድማ ብምዕራብ፥ ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ንእስራኤል ክውሕጥዎም እዮም። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
ኵላቶም ግብዛትን ገበርቲ ኽፉእን እዮም፤ ኵሉ ዝዛረብዎ ኸዓ ኽፍኣት እዩ እሞ፥ ስለዙይ እግዚኣብሄር በጕባዞም ኣይሕጐስን፤ ንደኽታማቶምን ንመበለታቶምን ከዓ ኣይርህርሀሎምን እዩ። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
ምናሴ ንኤፍሬም፥ ኤፍሬም ከዓ ንምናሴ ይበልዖ፤ ንሳቶም ድማ ሓቢሮም ንይሁዳ ፀላእቱ ይኾኑ። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
ንኣይ ሓዲግክኒ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንድሕሪትውን ተመሊስኪ ኢኺ፤ ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ኸልዕል እየ፤ ከጥፍአክውን እየ፤ ድሕሪ ደጊም ምሕረት ኣይገብረልክን።
ኣነ ባዕለይ ብዝተዘርግሐት ኢድን ብብርቱዕ ቅልፅምን ብቝጥዓን ብዓብዪ መቅሰፍትን ክዋግአኩም እየ።
እንሆ፥ ኵለን እተን ኣብ ቤተ መንግስቲ ይሁዳ ተሪፈን ዘለዋ ኣንስቲ፥ ናብቶም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን ከውፅእወን እዮም፤ ክኸዳ እንተለዋ ኸዓ ‘ፈተውትኻ ጠበሩኻን ኣስድዑኻን፤ ኣእጋርካ ኣብ ጭቃ ተረግረገ፤ ንሳቶም ከዓ ሓደጉኻ’ ክብላኻ እየን” በልክዎ።
“ንዅለን ኣንስትኻን ደቅኻን ናብ ባቢሎናውያን ከውፅእዎም እዮም፤ ንስኻውን ብኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትተሓዝ ኢኻ እምበር ካብ ኢዶም ኣይተምልጥን ኢኻ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ ኽትባራዕ እያ” በሎ።
ስለዙይውን፥ እንሆ፥ ቍጥዓይን ናህረይን ኣብዛ ስፍራ እዚኣ፥ ኣብ ሰብን እንስሳን፥ ኣብ ኣእዋም በረኻን፥ ኣብ ፍረ ምድርን ከፍስስ እየ። ቍጥዓይ ሓደ እኳ ኸጥፍኦ ኽሳዕ ዘይኽእል ክነድድ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
ካብ ኣናእሽቶኦም ክሳዕ ዓበይቶም ኵላቶም ስስዐ ይኽተሉ፤ ካብ ነቢይ ኽሳዕ ካህን ኵላቶም ሓሰት የዘውትሩ። ስለዙይ ኣንስቶም ንኻልኦት ክህበን፤ ገራሁኦምውን ንዘጥርይዎ ክህቦ እየ።
ሔት። እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ ጓል ፅዮን ዘሎ ቕፅሪ፥ ክፈርስ ከም ዘለዎ ወሰነ፤ መለክዒ ገመድ ዘርግሐ፤ ካብ ምጥፋእውን ኣእዳዉ ኣይመለሰን፤ ዕርድታትን ቅፅርን ከዓ ኽበኽዩ ገበረ፤ ሓቢሮም ድማ ደኸሙ።
ብርግፅ ኵሉ መዓልቲ ደጋጊሙ፥ ኢዱ ኣብ ልዕለይ መለሰ።
ንኣንስቲ ኣብ ፅዮን፥ ንደናግል ድማ ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዓመፁወን፤
ርስትና ንመፃእተኛታት፥ ኣባይትና ንጓኖት ሓሊፎም ተውሃቡ።
ኣቦ ዘይብሎም ደኽታማት ኮንና፤ እኖታትናውን መበለታት ኮና።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮ፦ ኣታ እምባ ሴይር እኒሀኹ ኣብ ልዕሌኻ እየ፤ ኢደይ ኣባኻ ኽዝርግሕ እየ እሞ፥ ባዶን በረኻን ክገብረካ እየ።”
ነቶም የመና ሕሱማት ካብ ኣህዛብ ከምፅእ እየ እሞ፥ እዚኣቶም ኣባይቶም ክወርሱ እዮም፤ ንትዕቢት እቶም ሓያላት ከጥፍኦ እየ፤ መቕደሳቶም ከዓ ኽረኽሳ እየን።
በታ መዓልቲ እቲኣ ብምስላ ኽምስሉልኩም ብፅኑዕ መልቀስውን ከልቅሱልኩም እዮም፤ “ንሳቶምውን ፈፂምና ጠፊእና ኢና፤ ነቲ ግደ ህዝበይ ይሰፍር፤ ንእኡ ዝኽልክል የለን፤ ነቲ ገራሁና ንኸዳዕተኛታት ይዕድል” ይብሉ።
ሃብቶም ክዝመት፥ ኣባይቶም ክዓንዉ እዮም፤ ኣባይቲ ይሰርሑ፥ ግናኸ ኣይነብርዎን፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ይተኽሉ፥ ግና ወይኑ ኣይሰትዩን እዮም።”
“ኣብ ልዕሊ ይሁዳን፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ ኢደይ ክዝርግሕ እየ፤ ካብዝ ቦታ እዙይ፥ ንተረፍ ጣዖት በዓል፥ ንስም እቶም ካህናት ጣዖታት፥ ምስቶም ካህናት ከጥፍኦም እየ።