7 ሽዑ እታ ኸተማ ጋሕ ኢላ ተኸፍተት። ባቢሎናውያን ነታ ኸተማ ኸቢቦምዋ እኳ እንተ ነበሩ፥ ኵላቶም እቶም ተዋጋእቱ ብለይቲ መሊቖም ወፁ፤ በቲ ኣብ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ኣብ መንጎ ኽልተ መንደቕ ዘሎ ኣፍ ደገ ሓሊፎም ከዓ፥ ናብ ዓረባ ኣቢሎም ሃደሙ።
እቶም ከለዳውያን ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ እንተለዉ፥ ቅፅሪ እታ ኸተማ ብሓደ ወገን ኣፍረሱ። እቲ ንጉስን እቶም ሓሻኽሩን ብለይቲ በቲ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ኣቢሎም፥ ብመንጎ እቲ ኽልተ መካበቢያ ዘሎ ኣፍ ደገ ሓለፉ። ናብ ለሰ ዮርዳኖስ ኣቢሎም ከዓ ብለይቲ ሃደሙ።
እንሆ፥ ኣነ ኽእዝዝ እየ እሞ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኽመልሶም እየ፤ ንሳቶም ክዋግእዋ፥ ክሕዝዋ፥ ብሓዊ ድማ ኸባርዕዋ እዮም፤ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ ባዲመን፥ ሓደ እኳ ዘይነብረለን ክገብረን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ሴዴቅያስ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመቱ፥ ኣብ ራብዓይ ወርሒ፥ ኣብ ታሽዓይ መዓልቲ እታ ኸተማ ተኸፍተት።
ስለዙይ ኣጓብዛ ኣብ ኣደባባያታ ኽወድቑ እዮም፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ጀጋኑኣውን ክጠፍኡ እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ፀላኢ ነቲ መሰጋገሪ ሩባ ኸም ዝሓዞ፥ ነቲ ዕርድታትውን ብሓዊ ኸም ዘንደዶ፥ ንሰራዊት ባቢሎን ከዓ፥ ድንጋፀ ኸም ዝወሓጦም ክነግርዎ ይጓየዩ።
ተስኡ ብለይቲ ንውፃእ፤ ነዳራሻታታውን ነፍርሶ።”
እቲ ኣብ ማእኸሎም ዘሎ ሓለቓ ኣብ ማእገሩ ፆይሩ፥ ምስ ፀልመተ ኽወፅእ እዩ፤ ምእንቲ ኸውፅእዎ፥ ነቲ መንደቕ ከንኵልዎ እዮም፤ ነታ ምድሪ በዒንቱ ኸይሪኣ ድማ ገፁ ኽሽፈን እዩ።
ከምቲ ጐዓዝ ስደት፥ ንጐዓዝካ ኣብ ቅድሚኣቶም ብመዓልቲ ኣውፅኣዮ፤ ከምቲ ንስደት ዝወፅእ ሰብ ኴንካ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ምሸት ውፃእ።
ኮነ ድማ፥ ካብ እንማረኽ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ፥ ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ነታ ወርሒ ኸዓ ኣብታ ሓምሸይቲ መዓልቲ፥ ሓደ ዘምለጠ ሰብኣይ ካብ ኢየሩሳሌም ናባይ መፀ እሞ፥ እታ ኸተማስ ተትሒዛ በለኒ።
ኣነ ኽፀልአኩም እየ፤ ፀላእትኹም ድማ ኽስዕሩኹምን ክሰጕኹምን እዮም፤ ዝሰጐጐኩም ዘየለ ድማ ኽትሃድሙ ኢኹም።
ነቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ሃገር ፀላእቶም እንተለዉ፥ ናብ ልቦም ራዕዲ ኸእቱ እየ፤ ጠሸም ዝበለ ቘፅሊ ኸዓ የህድሞም፤ ካብ ኲናት ከም ዝሃድም ይሃድሙ፤ ዝኾነ እንተየሳጐጎምውን ይወድቁ።
ንስኻትክን ነፍሲ ወከፍክን በቲ ኣብ ቅድመኽን ዝተነፀለ መንደቕ ክትወፃ ኢኽን፤ ናብ ሬማንውን ክትድርበያ ኢኽን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ተስዓርቲ ኽገብረኩም እዩ፤ ብሓደ መንገዲ ኽትከድዎም ኢኹም፤ ብሸውዓተ መንገዲ ኸዓ ኻብ ቅድሚኣቶም ክትሃድሙ ኢኹም፤ ኵሎም መንግስታት ምድሪ ድማ ብኣኻትኩም ከስካሕክሑ እዮም።
ኣምላኾም እንተ ዘይሸጦም፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኣሕሊፉ እንተ ዘይህቦምስ ከመይ ገይሩ ደኣ ሓደ ንሽሕ ይሰጎም? እቶም ክልተኸ ንዓሰርተ ሽሕ ከመይ ገይሮም የህድምዎም?