Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 52:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 እግዚኣብሄር ከዓ የመና ስለ ዝተቘጥዐ፥ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ዝነብሩን ህዝቢ፥ ካብ ቅድሚ ገፁ ምእንቲ ኽሰጎም፥ ሴዴቅያስ ኣብ ልዕሊ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዓመፀ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 52:3
19 Referencias Cruzadas  

እንሆ፥ ሎሚ ኻብ ገፅ ምድሪ ትሰጐኒ ኣለኻ፤ ኣነ ድማ ኻብ ገፅካ ኽሕባእ እየ። ኣብ ምድሪ ድንጉፅን ኰብላልን ክኸውን እየ፤ ኵሉ ዝረኸበኒ ድማ ኽቐትለኒ እዩ” በሎ።


ቃየል ድማ ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ወፀ፤ ኣብ ኤደን ብወገን ምብራቕ ኣብ እትርከብ ኖድ ኣብ እትብሃል ምድሪ ድማ ተቐመጠ።


ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ መሊሱ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ። ንዳዊት ከዓ “ኪድ ንእስራኤልን ንይሁዳን ቍፀሮም” ኢሉ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣለዓዓሎ።


እቲ ኣብ ዙፋን እስራኤል ከቐምጠካ ዝፈቐደ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ይመስገን። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ንሓዋሩ ስለ ዘፍቀሮ፥ ፍትሕን ሓቅን ምእንቲ ኽትህብ፥ ንጉስ ክትከውን ሸመካ” በለቶ።


ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ብእስራኤል የመና ተቘጥዐ፤ ካብ ቅድሚኡ ድማ ኣርሓቖም። ነገድ ይሁዳ ጥራሕ በይና ተረፈት።


እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም ዘርኢ እስራኤል ሓደጎም፤ ኣዋረዶም፤ ካብ ገፁ ኽሳዕ ዝጠፍኡ ኸዓ ኣብ ኢድ ማረኽቲ ኣሕሊፉ ሃቦም።


እግዚኣብሄር ከዓ ንእስራኤል፥ ከምቲ ብዅሎም ባሮቱ ነቢያት ተዛሪብዎ ዝነበረ ኻብ ቅድሚኡ ደርበዮም። ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ኸዓ ብኣሶራውያን ተማረኹ።


እዝ ዅሉ ዝኾነ ኸዓ እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌምን ንይሁዳን የመና ስለ ዝተቘጥዐን እዩ። ካብ ቅድሚ ገፁ ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ሴዴቅያስ ድማ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ባቢሎን ዓመፀ።


ሴዴቅያስ፥ ካብቲ ብስም እግዚኣብሄር ኣምሒልዎ ዝነበረ ንጉስ ባቢሎን ናቡከደነፆር ዓመፀ። ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከይምለስ ከዓ ኽሳዱ ኣትረረ፤ ልቡውን ኣጠንከረ።


ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ኣቦታትካ ምርመራ ይገበር። እዛ ኸተማ እዚኣ ዓማፂት ከተማ ኸም ዝኾነት፥ ንነገስታትን ንኣውራጃታትን ከም ዝጐድአት፥ ካብ ጥንቲ ኸዓ ኣብኣ ዕግርግር ከም ዝገበሩ፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪኽ ክትረኽቦን ክትፈልጦን ኢኻ። ብእኡ ምኽንያት ድማ እዛ ኸተማ እዚኣ ፈረሰት።


ብሰንኪ ዓመፃ እታ ሃገር፥ ገዛእታ ይበዝሑ፤ ብመስተውዓልን ጥበበኛን ሰብ ግና ዘመና ይነውሕ።


ንጉስኪ ቘልዓ ዝኾነ፥ መሳፍንትኺ ድማ ኣንጊሆም ዝበልዑ ሃገር፥ ወይለኺ!


ንግብፃውያን ናብ ኢድ ጨካን ገዛኢ፥ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ ጨካን ንጉስ ድማ ኽገዝኦም እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”


እንሆ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ካብ ኢየሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ደገፍን ፅንዓትን፥ ኵሉ ደገፍ እንጀራን ኵሉ ደገፍ ማይን ከወግድ እዩ።


ብኣፍካ “ሜላ ውግእን ዓቕምን ኣለኒ” ምባልካ ኸንቱ እዩ። ኣብ ልዕለይ እትዕምፅ ደኣ፥ ኣብ መን ተኣማሚንካ ኢኻ?


ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፤ “ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሎም እንተ ዝልምኑኒ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ልበይ ኣይርህርሀሎምን፥ ካብ ቅድሚ ገፀይ ኣውፅኣዮምሞ ይኺዱ።


ከምቲ ንዅሎም ኣሕዋትኩም፥ ንዅሎም ዘርኢ ኤፍሬም ዘወገድኩምዎ፥ ካብ ቅድመይ ከወግደኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos