21 እተን ኣዕምዲ ኽልቲአን ማዕረ ነበራ። ቁመተን ዓሰርተ ሸሞንተ እመት፥ ዙርያአን ዓሰርተ ኽልተ እመት ነበራ። ውሽጠን ጓንጓ እቲ ዝተሰርሐሉ ሓፂን ከዓ ምርጓዱ ኣርባዕተ ኣፃብዕቲ ነበረ።
ቁመት እቲ ሓደ ዓምዲ ዓሰርተ ሸሞንተ እመት ነበረ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ብነሃስ ዝተሰርሐ ጕልላት ነበሮ፤ ቁመት እቲ ጉልላት ድማ ሰለስተ እመት ነበረ፤ ነቲ ጕልላት ከዓ ብዙርያኡ ዓይኒ ርግብን ሮማንን ነበሮ፤ እዝ ዅሉ ኸዓ ብነሃስ ዝተገብረ ነበረ። ነቲ ኻልኣይ ዓምዲ ድማ ምስ ዓይነ ርግቡ ኸምኡ ነበሮ።