16 ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት፥ ነቶም መሬት ዘይነበሮም፥ የመና ድኻታት እታ ሃገር እቲኣ፥ ተኸልቲ ወይንን ሓረስቶትን ክኾኑ ሓደጎም።
እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ግና ነቶም ድኻታት እታ ሃገር፥ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽዓዩን መሬት ክሓርሱን ኢሉ ሓደጎም።
ናቡከደነፆር ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመቱ፥ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ናይታ ሓምሸይቲ ወርሒ፥ ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሓለውቲ ሓሻኽር ንጉስ ባቢሎን፥ ናብ ኢየሩሳሌም መፀ።
እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ንኤርሚያስ ወሰዶ፤ ከምዙይውን በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዝ ኽፉእ ነገር እዙይ ኣብዝ ስፍራ ተናገረ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ኣብተን ዑናታት እታ ምድሪ እስራኤል ዘለዉ፥ ኣብርሃም ንበይኑ ነበረ፤ ነዛ ምድሪ እዚኣውን ወረሳ። ንሕና ግና ብዙሓት ኢና፤ እታ ምድሪ ድማ ርስቲ ኽትከውን፥ ንኣና ተውሂባ እያ፥ ይብሉ ኣለዉ።