7 ባቢሎን፥ ንዅላ ምድሪ እተስክር ኣብ ኢደይ ከም ዘላ ፅዋዕ ወርቂ ነበረት። ህዝብታታ ከዓ ኻብ ወይና ሰትዮም ዓበዱ።
ሽዑ ንንጉስ ባቢሎን ከምዙይ ኢልካ ኽትምስል ኢኻ፦ “እቲ ጨቋኒ ኸመይ ዓረፈ! ጭቘናኡኸ ኸመይ ኣብቅዐ!
ሽዑ ንስኻ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ምለሰሎም፦ “እንሆ፥ ንዅሎም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነብሩ፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታትን ካህናትን ነቢያትን፥ ንዅሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ፥ ብስኽራን ክመልኦም እየ።
ቃለይ ስለ ዘይሰማዕኹም፥ እንሆ፥ ንዅሎም ህዝብታት ሰሜንን ንኣገልጋሊየይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ከምፅኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ናብዛ ሃገር እዚኣን፥ ናብቶም ዝነብርዋን፥ ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታትን፥ ከምፅአሎም እየ። ፈፂመ ኸጥፍኦም፥ ንመሰክሕን ንመላገፅን ከዓ ኽገብሮም፥ ንዘለኣለም ድማ ኸባድሞም እየ።
ንሳ ናይ ዝተቐረፁ ምስልታት ምድሪ እያ፤ ንሳቶም ብጣዖታት ስለ ዝምክሑ፥ ኣብ ልዕሊ ማያታ ድርቂ ክኸውን እዩ፤ ንሳቶምውን ክደርቁ እዮም።
ኣብኣ ድምፂ ሕጉሳት ሰባት ነበረ፤ ምስ ብዙሕ ህዝቢ ድማ፥ ሰካራማት ካብ ምድረ በዳ መፁ፤ ንሳቶም ከዓ ኣምባር ኣብ ኣእዳወን፥ ዕፁብ ዘውዲውን ኣብ ኣራእሰን ገበሩ።
እዝ ምስሊ እዙይ፥ ርእሱ ፅሩይ ወርቂ፥ ደረቱን ቀላፅሙን ብሩር፥ ከብዱን ሕቘኡን ከዓ ነሃስ ነበረ።
ደቂ ሰብን እንስሳ ዘገዳምን ኣዕዋፍ ሰማይን ዝነብሩሉ ዅሉ፥ ኣብ ኢድካ ሃበካ፤ ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ድማ ገዛኢ ገበረካ። እምበኣር እቲ ርእሲ ወርቂ ንስኻ ኢኻ።
ሓደ ኻልኣይ መልኣኽ ድማ፥ “እታ ኻብቲ ዘስክር ወይኒ ምንዝርናኣ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ከም ዝሰትዩ ዝገበረቶም፥ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ!” እናበለ ተኸተሎ።
ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዘሩ፤ ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፥ ብወይኒ ምንዝርናኣ ሰኸሩ” በለኒ።
እታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ቀይሕ ግምጃን፥ ቀይሕ ውፁእ ኽዳንን ተወንዚፋ፥ ብወርቅን ብኽቡር እምንን ኣዕናቝን ተሸሊማ ነበረት፤ ርኽሰት ምንዝርናኣ ዝመልአ፥ ዘነውር ፅዋዕ ወርቂ ኸዓ፥ ኣብ ኢዳ ሒዛ ነበረት።
ነጋዶኺ መኳንንቲ ምድሪ ነይሮም፤ ኵሎም ኣህዛብውን፥ ብጥንቍልናኺ ስሒቶም እዮም፤ ድሕሪ ደጊም ግና፥ ኣባኺ ናይ መብራህቲ ብርሃን ከቶ ኣይበርህን፤ ድሕሪ ደጊምስ፥ ኣባኺ ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ከቶ ኣይስማዕን እዩ።”
ኵሎም ኣህዛብ፥ ካብቲ ዘስክር ወይኒ ምንዝርናኣ፥ ሰትዮም እዮም እሞ፤ ነገስታት ምድሪ፥ ምስኣ መንዚሮም፤ ነጋዶ ምድሪ እውን፥ ብሓይሊ ፅጋባ ሃብቲሞም እዮም” እናበለ፥ ድምፂ ኣስምዐ።
ፍርዱ ሓቅን ፅድቅን እዩ እሞ፥ ንሱ፥ ነታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍአት ዓባይ ኣመንዝራ፥ ፈረዳ፤ ንደም ኣገልገልቱውን፥ ካብ ኢዳ ተፈደዮ” እንትብል ሰማዕኹ።