61 ኤርሚያስ ድማ ንሰራያ “ኣብ ባቢሎን ምስ ኣተኻ፥ ኵለን እዘን ቃላት እዚኣተን ድምፅኻ ዓው ኣቢልካ ኣንብበሎም።
ኤርሚያስ ንዅሉ እቲ ኣብ ባቢሎን ዝወርድ መዓት ንዅሉ እቲ ብዛዕባ ባቢሎን ዝተፅሓፈ፥ ኣብ ሓደ መፅሓፍ ፀሓፎ።
ከምዙይውን በል፦ ‘ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ብዛዕባ እዛ ቦታ እዚኣ፥ ሰብ ወይ እንስሳ፥ ሓደ እኳ ኸም ዘይነብረላ ጌርካ ኸም እተጥፍኣ፥ ንሓዋሩውን ምድረ በዳ ኸም እትገብራ ተዛሪብካ ኢኻ።’
ኢየሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወፂኡ እናኸደ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም ህንፃ ቤተ መቕደስ ኣርኣይዎ።
ኢየሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ክወፅእ እንተሎ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ “መምህር፥ ህንፃኡን እምኑን ክንደይ ከም ዘደንቕ ረአ” በሎ።
ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ምስ ኣንበብኩምዋ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሎዶቅያ ኸም እትንበብ ግበሩ፤ ንስኻትኩምውን፥ ነታ ኻብ ሎዶቅያ እትመፅእ መልእኽቲ ኣንብብዋ።
ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን፥ ንስንሳትኩም ተፀናንዑ።
ነዛ መልእኽቲ እዚኣ፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ቅዱሳን ኣሕዋት ክተንብብዋ፥ ብእግዚኣብሄር ኣማሕፅነኩም ኣለኹ።
እቲ እዙይ ዝፍፀመሉ ዘመን ቀረባ ስለ ዝኾነ ድማ፥ እቲ ነዝ ቓል ትንቢት እዙይ ዘንብብ፥ ብፁእ እዩ፤ እቶም ዝሰምዕዎን፥ ነቲ ኣብኡ ተፅሒፉ ዘሎውን ዝሕልውዎን፥ ብፁኣን እዮም።