59 ሰራያ ወዲ ኔርያ ወዲ ማሕሴ፥ ኣዛዚ ቤት ንጉስ ሴዴቅያስ ነበረ። ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፤ ሰራያ ናብ ባቢሎን ምስኡ ምስ ከደ፥ ነቢይ ኤርሚያስ ዝኣዘዞ ቓል እዙይ እዩ፦
ኣቦታትና ነቲ ናይ ሰማይ ኣምላኽ ምስ ኣቘጥዕዎ ግና፥ ኣብ ኢድ እቲ ከለዳዊ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፉ ሃቦም። ንሱ ኸዓ ነዝ ቤት እዙይ ኣፍረሰ፤ ነቲ ህዝቢ ድማ ናብ ባቢሎን ኣፍለሶ።
በታ ዓመት እቲኣ ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ ናይታ ራብዐይቲ ዓመት፥ ሃናንያ፥ ወዲ ነቢይ ዓዙር በዓል ገባዖን፥ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን ኵሉ ህዝብን ከምዙይ ኢሉ ተዛረበኒ፦
ኣብ ቅድሚ ኣናምኤል ወዲ ሓው ኣቦይን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ መፅሓፍ ውዕሊ ዝተፅሓፉ መሰኻኽርን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ኣብ ገበላ ቤት ማእሰርቲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድን፥ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ወዲ መሕሴያ ሃብክዎ።
ኤርሚያስ ድማ ሽዑ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ፀውዖ፤ ባሮክውን ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ኻብ ኣፍ ኤርሚያስ ተቐቢሉ ኣብቲ ዝጥቕለል መፅሓፍ ፀሓፎ።
ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፥ ንሱውን ነዘን ቃላት እዚኣተን፥ ካብ ኣፍ ኤርሚያስ ክፅሕፈን እንተሎ፥ ነቢይ ኤርሚያስ ንባሮክ ወዲ ኔሪ ዝነገሮ ቓል እዙይ እዩ።
ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌምውን ዓሰርተ ሓደ ዓመት ነገሰ። እኖኡ ኣሚጣል እትብሃል ጓል ኤርሚያስ በዓል ሊብና ነበረት።