55 እግዚኣብሄር ንባቢሎን፥ ኣጥፊእዋ እዩሞ፤ ነቲ ዓብዪ ድምፃውን ስቕ ኣቢልዎ እዩሞ። ማዕበሎም ከም ብዙሕ ማያት ይሃምም፤ ድምፂ ዓው ዓውታኦም ድማ ይስማዕ ኣሎ።
ሰባት ኣብ ልዕሌና ኽትስኡ እንተለዉ፥ እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይኸውን፥
ሽዑ ማይ መስጠመና ነይሩ፤ ኣብ ልዕሊ ነፍስና ውሕጅ ምሓለፈ ነይሩ፤
ፃዕሪ ሞት ሓዘኒ፤ ውሕጅ ዓመፅውን ኣፍርሐኒ፤
ንመዓሙቕ ባሕርን ንድምፂ ማዕበሉን ተናውፅ ኢኻ።
ናብ ዓሚቝ ረግረግ ጠለቕኩ፤ መቖሚውን የብለይን፤ ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ በፃሕኹ፤ ማዕበልውን ኣስጠመኒ።
ብዛዕባ ሞኣብ ዝተነግረ ሸኽሚ፥ ኣየ፥ እታ ኣብ ሞኣብ ዘላ ዒር፥ ብለይቲ ዓንያ ጠፍአት! እታ ኣብ ሞኣብ ዘላ ቂር ብለይቲ ዓንያ ጠፍአት!
ኣህዛብ ከም ብዙሕ ማያት ድዋሕዋሕ እናበሉ ይመፁ፥ ግና እግዚኣብሄር ይገንሖም እሞ ኣርሒቖም ይሃድሙ። ከምቲ ኣብ እምባ ዘሎ ብቚቡቕ ብንፋስ፥ ከምቲ ሓሰር ድማ ብህቦብላ ዝብተን ክብተኑ እዮም።
“ኣቲ ባቢሎን፥ ድሕሪ ደጊም ኢተገ መንግስታት፥ ኣይትበሃሊን ኢኺ እሞ፥ ኣብ ፀልማት ኣቲኺ ስቕ ኢልኪ ተቐመጢ።
ካብኣቶም ድምፂ ሓጐስን ዕልልታን፥ ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ድምፂ መጥሓንን ብርሃን መብራህትን ከጥፍእ እየ።
ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ደየበ፤ ብርቱዕ ማዕበላቱ ድማ ኸደና።
“ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣቲ ጢሮስ ኣንፃርኪ እየ፤ ከምቲ ንባሕሪ ማዕበል ዘልዕለሉ፥ ከምኡ ገይረ ብዙሓት ህዝብታት ከተስአልኪ እየ።
“ኣብ ፀሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከዓ፥ ምልክት ክኸውን እዩ፤ ኣብ ምድሪ እውን፥ ብድምፂ ባሕርን ማዕበልን ኣህዛብ ክጭነቑን ክህወኹን እዮም።
“እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶም ዝረአኻዮም ማያት፥ ኣህዛብን ህዝብን ብዙሓት ሰባትን፥ ሃገራትን፥ ዝተፈላለዩ ቛንቋታትን እዮም።