54 “ካብ ባቢሎን ኣውያት፥ ካብ ምድሪ ከለዳውያንውን፥ ዓብዪ ድምፂ ጥፍኣት ይስማዕ ኣሎ።
ልበይ ንሞኣብ ይበኽየላ ኣሎ፥ እቶም ካብኣ ዝሃደሙ ናብ ዞኣር፥ ናብ ኤግላት ሸሊሽያ ዀብለሉ፤ ንዓቐበት ሉሂት እናበኸዩ ይድይብዎ ኣለዉ፤ ኣብቲ ናብ ሖሮናይም ዝወስድ መንገዲውን፥ ጠፋእና እናበሉ ኣውያት የስምዑ ኣለዉ።
ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ ንዘሎ ሃሩር እተህድኦ፥ ንስኻ ንድምፂ ጓኖት ስቕ ኣበልካዮ፤ ከምቲ ዋዒ ብፅላሎት ደመና ዝዝሕል፥ ንስኻ ኸዓ ንናይ ጨካናት ደርፊ ዓወት ተዝሕሎ።
ድምፂ ውግእን ዓብዪ ዕንወትን፥ ኣብታ ሃገር ይስማዕ ኣሎ።
ንዅሎም ዝራብዓታ ሕረድዎም፤ ናብ ማሕረዲውን ኣውርድዎም። መዓልቶም፥ እታ ጊዜ መቕፃዕቶም በፂሓ እያ እሞ፥ ወይለኦም!”
ንጉስ ባቢሎን ብዛዕባኣቶም ወረ ሰሚዑ፥ ኣእዳዉ ለሚሰን ኣለዋ፤ ከም እትወልድ ሰበይቲውን፥ ጭንቀትን ቅልውላውን ሒዝዎ ኣሎ።
ባቢሎን ክትወድቕ እንተላ ምድሪ ኽተንቀጥቅጥ እያ፤ ኣውያታውን ኣብ ማእኸል ህዝብታት ክጋዋሕ እዩ።”
“በታ መዓልቲ እቲኣ ይብል እግዚኣብሄር፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ብወገን ኣፍ ደገ ዓሳ፥ ድምፂ ብኽያት ክስማዕ እዩ። ካብቲ ኻልኣይ ደገ ኸዓ ኣውያት ክስማዕ እዩ፤ ካብቲ እምባታት ድማ ድዋዕዋዕ እናበለ ናይ ዝወድቕ ነገር ድምፂ ኽስማዕ እዩ።