5 ምድሮም በቲ ንናይ እስራኤል ቅዱስ ዝበደልዎ በደል እኳ እንተ መልአት፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኾም፥ ንህዝቢ እስራኤልን ንህዝቢ ይሁዳን ኣይደርበዮምን።
ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ድማ ኽነብር እየ፤ ንህዝበይ እስራኤል ከዓ ኣይሓድጎን እየ።”
ምናሴ ብዙሓት ንፁሃት ሰባት ቀተለ፤ መንገድታት ኢየሩሳሌም ከዓ ብደም መልአን። እዙይ ድማ ብዘይ እቲ ንህዝቢ ይሁዳ ናብ ኣምልኾ ጣዖት መሪሑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ከም ዝገብሩ ዝገበሮም እዩ።
ንሕና ባሮት ኢናሞ፥ ኣምላኽና ግና ብባርነትና ኣይሓደገናን፤ ምሕዳስ ህይወት ምእንቲ ኽህበና፥ ቤት ኣምላኽናውን ክንሰርሕ፥ እቲ ዝፈራረሰ ቅፅርውን ክንሕድስ፥ ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምውን ቅፅሪ ኽግበረልና ኣብ ቅድሚ ነገስታት ፋርስ ምሕረቱ ሃበና።
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይድርብዮምን፤ ንርስቱውን ኣይሓድጎምን።
“ኣታ ያእቆብ፥ ኣታ እስራኤልውን፥ ባርያይ ኢኻ እሞ እዙይ ዘክር፤ ኣነ ፀዊዐካ ኣለኹ፤ ንስኻውን ባርያይ ኢኻ፤ ኦ እስራኤል ከቶ ኣይርስዐካን እየ።
“ማዕበላ ኽሳዕ ዝደምፅ ንባሕሪ ዘናውፃ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ፤ ስመይውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ቅዱስ ህዝቢ” ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም። ንስኺውን ተደላይትን ዘይትሕደግን ከተማ፥ ተብሂልኪ ኽትፅውዒ ኢኺ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ብሓቂ ፈፂምካዶ፥ ንይሁዳ ደርቢኻያ ኢኻ? ነፍስኻኸ ንፅዮንዶ ፀሊኣታ እያ? ስለ ምንታይ ደኣ ኸም ዘይንሓዊ ጌርካ ወቓዕኻና? ሰላም ተፀበና፤ ግና ሰናይ ኣይመፀን። እንሓውየሉ ጊዜ ተፀበና፤ እንሆ ኸዓ፥ ራዕዲ ኾነ።
ስለ ምንታይከ ኸምቲ ቀባሕባሕ እናበለ፥ ከናግፍ ዘይኽእል ጅግና ትኸውን? ኦ እግዚኣብሄር ንስኻ፥ ብርግፅ ኣብ ማእኸልና ኣለኻ፤ ንሕና ብስምካ ተፀዊዕና ኢና እሞ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣይትሕደገና።
ንምድረይ በቶም በድኒ ዝኾኑ ጣዖታቶም ኣርኪሶምዋ፤ ንርስተይውን ብዘፀይፉ ጣዖታቶም መሊኦምዋ እዮም እሞ፥ ሕነ በደሎምን ሓጢኣቶምን ካዕበት ክፈድዮም እየ።”
ንኣይ ሓዲጎም እዝ ስፍራ እዙይ ባዕዲ ገበርዎ፤ ንሳቶምን ኣቦታቶምን ነገስታት ይሁዳን ንዘይፈልጥዎም ንኻልኦት ባዕዳን ኣማልኽቲ ዕጣን ዓጠኑሎም፤ ነዝ ስፍራ እዙይውን ብደም ንፁሃት መልእዎ።
“ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዞም ነቢያት እዚኣቶም ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ነቢያት ኢየሩሳሌም ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ርኽሰት ተባፂሑ እዩሞ፥ ዕረ ኸብልዖም እየ፤ ዝመረረ ሓሞትውን ከስትዮም እየ።”
ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ሰማያት ምልካዕ፥ ኣብ ታሕቲ ዘለዉ መሰረት ምድሪ፥ ምምርማር እንተ ተኽኢሉ፥ ሽዑ ኣነውን ብሰንኪ እቲ ዅሉ ዝገበርዎ ሓጢኣት፥ ንዅሎም ዘርኢ እስራኤል ክድርብዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ፥ ኣነ ምሳኻ እየሞ ኣይትፍራሕ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንዅሎም እቶም ናብኣቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ኣህዛብ፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየሞ፤ ንኣኻ ግና ፈፂመ ኣየጥፍአካን፤ ግቡእ ቅፅዓት እቐፅዐካ እምበር፥ ብዘይ ቅፅዓት ግና ኣይሓድገካን እየ።”
ነቶም ዘትረፍክዎም ይቕረ ኽብለሎም እየ እሞ፥ በተን መዓልቲታት እቲኣተንን በቲ ጊዜ እቱይን፥ ይብል እግዚኣብሄር፥ በደል እስራኤልን ሓጢኣት ይሁዳን ክድለ እዩ፤ ግና ኣይርከብን።”
ግደ ያእቆብ ግና ኸምዙይ ኣይኮነን፤ ንሱ ንዅሉ ዝፈጠረ እዩሞ፥ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩ፤ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ንሱ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ርኢኻዶ? ነታ ምድሪ ብዓመፅ መሊኦምዋ፤ መመሊሶም ድማ ቝጥዓይ ዘለዓዕሉስ፥ ቤት ይሁዳ እዝ ኣብዙይ ዝገብርዎ ዘለዉ ርኽሰትዶ ውሒድዎም እዩ፤ እንሆ፥ ንሳቶም ነቲ ጨንፈር ናብ ኣፍንጫኦም የቕርቡ ኣለዉ” በለኒ።
ንሱ ድማ በለኒ፦ “ሓጢኣት ቤት እስራኤልን ይሁዳን፥ የመና ዓብዪ እዩ፤ ‘እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር ሓዲግዋ፤ እግዚኣብሄር ሓንቲ እኳ ኣይርኢን እዩ’ ይብሉ ኣለዉ እሞ፥ እታ ምድሪ ብደም፥ እታ ኸተማውን ብዓመፅ መሊአን ኣለዋ።
ግና ቝፅሪ ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ ኽስፈርን ክቝፀርን ዘይከኣል ሑፃ ባሕሪ ክኸውን እዩ፤ ከምዙይውን ክኸውን እዩ፦ “ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኮንኩምን” ኣብ ዝተብሃሉሉ ቦታ “ውሉድ ህያው እግዚኣብሄር” ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም።
ስለዙይ ነሕዋትኩም “ዓሚ” ነኣሓትኩም ድማ “ሩሃማ” ኢልኩም ፀውዕዎም።
እንተ ዘይኮነ ቀሚሻ ቀንጢጠ ኸምታ ዝተወለደትላ መዓልቲ ጥራሓ ኽገብራ እየ፤ ከም ምድረ በዳን፥ ከም ንቑፅ ምድርን ክገብራ፥ ብፅምኢ ማይ ድማ ኽቐትላ እየ።
ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ “ሓቅን ምሕረትን ንእግዚኣብሄር ምፍላጥን፥ ኣብታ ምድሪ የለን፤ እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ነገር ኣለዎ እሞ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።
መርገምን ሓሰትን ቅትለትን ስርቅን ዝሙትን በዝሐ፤ ደም ምስ ደም ተሓዋወሰ።
ሓጢኣት ዝሓድግ፥ በደል እቶም ዝተረፉ ርስቱ ዝኾኑ ህዝቢ ዘሕልፍ፥ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ መን እዩ? ምሕረት ይፈቱ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ንዘለኣለም ኣይዓቍርን።
ከምቲ ኻብ ጥንቲ ዘመን ጀሚርካ፥ ነቦታትና ዝመሓልካሎም፥ ሓቂ ንያእቆብ፥ ምሕረት ከዓ ንኣብርሃም ክትገብር ኢኻ።
“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣነ ነሕሉቕ ይሁዳ፥ ኣብ ማእኸል ዱር ከም ዝነድድ ሓዊ፥ ኣብ ማእኸል እንዳእቲ ኸዓ፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኽገብሮም እየ። ነቶም ብየማነ ፀጋም ዘለዉ ዅላቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ክበልዕዎም እዮም፤ ብድሕሪኡ ኢየሩሳሌም ኣብ ስፍራኣ ንሓዋሩ መንበሪ ኽትከውን እያ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ኽምክተሎም እዩ፤ ካብ መንጎኣቶም የመና ድኹም ዝኾነ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ዳዊት ክኸውን እዩ። ቤት ዳዊትውን ቀቅድሚኣቶም ከም ዝኸይድ፥ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ከም ኣምላኽ ክኾኖም እዩ።
እግዚኣብሄር ኣብታ ቕድስቲ ምድሪ፥ ንይሁዳ ኸም ግደኡ ክወርሳ፥ ንኢየሩሳሌም ከዓ መሊሱ ኽሓርያ እዩ።
እግዚኣብሄር ህዝቡ ኽገብረኩም ፈትዩ እዩ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንኣኻትኩም ንህዝቡ ኣይሓድገኩምን እዩ።