47 ስለዙይ፥ እንሆ፥ ነቲ ቕሩፅ ጣዖታት ባቢሎን ዝቐፅዐላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ፤ ኵላ እታ ምድሪ ኸዓ ኽትሓፍር እያ፤ ኵሎም እቶም ዝተሓርዱ ኣብ ማእኸላ ኽወድቁ እዮም።
እንሆ ኣብ ኣፍራስ ዝተቐመጡ በብኽልተ ኾይኖም ይመፁ ኣለዉ ኢሉ ተደሃየ። እቲ ሓላዋይ ድማ መሊሱ “ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ! ኵሉ ምስልታት ጣዖታታ ኣብ ምድሪ ተሰባበረ” በለ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ክቐፅዖም እየ፤ ኣጓብዞም ብሰይፊ፥ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከዓ ብጥሜት ክሞቱ እዮም።
እቶም ፈተውትኺ ክኾኑ፥ ባዕልኺ ዘሰልጠንክዮም፥ ገዛእትኺ ምስ ገበሮም እንታይ ክትብሊ ኢኺ? ከምታ ቕልውላው ዝተትሓዘት ሰበይቲዶ ኣይትሳቐዪን?
ሓደ ኻብ ህዝበይ፥ ወይ ነቢይ፥ ወይ ካህን ‘ፆር እግዚኣብሄር’ ክብል እንተ ተረኽበ ነቲ ሰብ እቱይን ንቤቱን ክቐፅዖም እየ።
እተን ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ ድማ ንህዝቢ ባቢሎንን ንንጉሶምን ብሰንኪ በደሎም ክቐፅዖም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሃገሮም ከዓ ንሓዋሩ ኸባድማ እየ።
“ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኣውርዩን ኣውጁን፤ ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ፤ እንተይሓባእኹም ከዓ ‘ባቢሎን ተትሒዛ፥ ጣዖት ቤል ተዋረደ፤ ጣዖት ሜሮዳክ ተሰባቢሩ፤ ምስልታታ ተዋረዱ፤ ጣዖታታ ተሰባበሩ’ ኢልኩም ኣውጁ።
ንሳቶም ከንቱ ናይ ባጫ ኣቑሑ እዮም፤ ፍርዲ ኽመፆም እንተሎ ኽጠፍኡ እዮም።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ፅዮን ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ብዝፈፀምዎ ኽፍኣት፥ ኣነ ንባቢሎንን ኣብኣ ንዝነብሩ ከለዳውያንን ክፈድዮም እየ።
ከተማታታ ሓደ እኳ ዘይነብረለን፥ ብኣኣተንውን ዝሓልፍ ዘይብለን፥ ዝባደማን ንቑፅ ምድረ በዳን ኮና።
ስለዙይ እንሆ፥ ኣነ ነቲ ቕሩፅ ጣዖታት ባቢሎን ዝቐፅዐለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ እቶም ኣብ ምድሪ ዝተወግኡ ዅሎም ክገዓሩ እዮም።