46 በዝ ዓመት እዙይ ሓደ ወረ ኽውረ፤ በቲ ዳሕረዋይ ዓመት ድማ ኻልእ ወረ ኽውረ፥ ኣብ ሃገር ከዓ ዓመፅ ኽስልጥን፥ ገዛኢውን ኣብ ልዕሊ ገዛኢ ኽለዓል እዩ እሞ፥ ልብኹም ኣይሸበር፤ በቲ ኣብታ ሃገር ዝስማዕ ወረ ኸዓ ኣይትፍርሑ።
እንሆ፥ ኣብ ልዕሊኡ መንፈስ ክሰድድ እየ፤ ወረውን ክሰምዕ እዩ፤ ናብ ሃገሩ ድማ ኽምለስ እዩ፤ ኣብ ሃገሩውን ብሰይፊ ከም ዝወድቕ ኽገብሮ እየ በልዎ’ ” በሎም።
እቶም ደቂ ኣሞንን ሞኣብን ነቶም ኣብ እምባ ሴይር ዝነብሩ ፈፂሞም ንኽቐትልዎምን ንኸጥፍእዎምን ተልዒሎምዎም ነበሩ፤ ነቶም ኣብ ሴይር ዝነበሩ ምስ ኣጥፍኡዎም ድማ ንስንሳቶም ሓደ ንብፃዩ ንምጥፋእ ተሓጋገዙ።
ኣምላኽ ባዕሉ ንልበይ ኣጃጅይዎ፤ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣደንጊፁኒ እዩ።
ብጊዜ መከራ እንተ ላሕሊሕኻ፥ ሓይልኻ ኽደክም እዩ።
“ግብፃውያን ኣብ ልዕሊ ግብፃውያን ክለዓሉ ኽገብሮም እየ እሞ፥ ሓው ምስ ሓዉ፥ ብፃይ ምስ ብፃዩ፥ ከተማ ምስ ከተማ፥ መንግስቲ ምስ መንግስቲ፥ ክዋግኡ እዮም።
ምሳኻ እየ እሞ ኣይትፍራሕ።” “ንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምፅኦም፥ ካብ ምዕራብ ከዓ ኽኣኻኽበካ እየ።
“እምበኣርከስ ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ፥ ኣይትፍራሕ፤ ህዝቢ እስራኤልውን፥ ኣይትሸበር፤ እንሆ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፥ ካብታ ዘርእኻ ዝተማረኸላ ሃገር ከድሕነኩም እየ። ያእቆብውን ተመሊሱ ብሰላምን ብርግዓትን ክቕመጥ እዩ፤ ዝኾነ ዘፍርሖውን ኣይህሉን።
ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ፥ ኣነ ምሳኻ እየሞ ኣይትፍራሕ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንዅሎም እቶም ናብኣቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ኣህዛብ፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየሞ፤ ንኣኻ ግና ፈፂመ ኣየጥፍአካን፤ ግቡእ ቅፅዓት እቐፅዐካ እምበር፥ ብዘይ ቅፅዓት ግና ኣይሓድገካን እየ።”
እዙይ ክኸውን ምስ ጀመረ፥ ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ፥ ርእስኹም ኣቕኒዕኹም ንላዕሊ ተመልከቱ።”
እቶም ሰለስተ ሚእቲ ድማ መለኸት ምስ ነፍሑ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ሰራዊት ምድያም ንስንሳቶም ብሰይፊ ኸም ዝቃተሉ ገበሮም። እቲ ሰራዊት ድማ ናብ ፀረራ ኣቢሉ ኽሳዕ ቤትሺጣ፥ ክሳዕ እታ ኣብ ገምገም ኣቤል መሖላ ዘላ ጣባት ሃደመ።