45 ኣቱም ህዝበይ፥ ካብ ማእኸላ ውፁ። ነፍሲ ወከፍኩም ድማ ኻብቲ ጕሁር ቍጥዓ እግዚኣብሄር ርእስኹም ኣድሕኑ።
ካብ ባቢሎን ውፁ፤ ካብ ከለዳውያን ህደሙ፤ እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባርያኡ ተቤዚውዎ እዩ፤ እናበልኩም ብድምፂ ዕልልታ ኣውጁ፤ ክሳዕ ወሰን ምድሪ እውን ንገሩ።
ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽናን፥ ንናይ ቤተ መቕደስን ሕነ፥ ኣብ ፅዮን ክነግሩ ሃዲሞም ካብ ሃገር ባቢሎን ዘምለጡ፥ ድምፂ ሰባት ተሰሚዑ እዩ።
“ኦ ህዝቢ እስራኤል፥ ካብ ማእኸል ባቢሎን ህደሙ፤ ካብ ሃገር ከለዳውያንውን ውፁ፤ ከምቲ ዲበላታት ንመጓሰ ዝመርሕወን ቅድሚ ዅሉ ውፁ።
“ኣቱም ካብ ሰይፊ ዘምለጥኩም ኪዱ! ደው ኣይትበሉ! ኻብ ርሑቕ ንእግዚኣብሄር ዘክሩ፤ ንኢየሩሳሌምውን ኣብ ልብኹም ሕሰቡ።
እዙይ ጊዜ ሕነ ምፍዳይ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ከምቲ ዝገበረቶ ኽፈድያ እዩ፤ ብሰንኪ ዓመፃኣ ኸይትጠፍኡስ፥ ካብ ባቢሎን ህደሙ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነፍሱ የድሕን።
‘ንባቢሎን ፈወስናያ፤ ንሳ ግና ኣይተፈወሰትን። ፍርዳ ኽሳዕ ሰማይ ስለ ዝበፅሐ፥ ክሳዕ ደመናውን ልዕል ስለ ዝበለ፥ ነፍሲ ወከፍና ነናብ ሃገርና ንመለስ’ በሉ።”
ኣቲ ምስ ጓል ባቢሎን እትነብሪ ፅዮን ኮብልሊ።
ነቶም ህዝቢ ኸዓ “በይዛኻትኩም ካብ ድንኳናት እዞም ሕሱማት ሰባት እዚኣቶም ረሓቑ፤ ብዅሉ ሓጢኣቶም ከይትጠፍኡ ኸዓ ናቶም ዝኾነ ኣይትንክኡ” በሎም።
ካልእ ብዙሕ ነገርውን ነገሮምሞ፥ “ካብዝ ኽፉእ ትውልዲ ርእስኹም ኣድሕኑ” ኢሉውን መዓዶም።
“ ‘ስለዙይ ካብ ማእኸሎም ውፁ፤ ዝተፈለኹም ኩኑ’ ይብል እግዚኣብሄር። ‘ርኹስ ኣይትንክኡ፤ ኣነውን ክቕበለኩም እየ።
ካብ ሰማይ ድማ፥ ካልእ ኸምዙይ ዝብል ድምፂ ሰማዕኹ፦ “ኣቱም ህዝበይ፥ ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትተሓባበሩ፥ ኻብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉ፥ ካብኣ ውፁ፤