44 ኣነ ንቤል ኣብ ባቢሎን ክቐፅዖ፥ ነቲ ዝወሓጦውን ከትፍኦ እየ፤ ድሕሪዙይ ኣህዛብ ናብኡ ኣይውሕዙን እዮም። ቅፅሪ ባቢሎንውን ክወድቕ እዩ።
ነቲ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ወሲዱ ድማ ኣብ ባቢሎን ኣብ ቤተ መቅደሱ ኣቐመጦ።
ነቲ ዝወሓጦ ሃብቲ ኽተፍኦ እዩ፤ እግዚኣብሄር ካብ ከብዱ ኸውፅኦ እዩ።
በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥ እምባ ናይ እግዚኣብሄር ቤት መቕደስ፥ ኣብ ልዕሊ እምባታት ፀኒዑ ኽቐውም እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታትውን፥ ልዕል ልዕል ክብል እዩ፤ ኵሎም ኣህዛብ ናብኡ ኽእከቡ እዮም።
እንሆ ኣብ ኣፍራስ ዝተቐመጡ በብኽልተ ኾይኖም ይመፁ ኣለዉ ኢሉ ተደሃየ። እቲ ሓላዋይ ድማ መሊሱ “ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ! ኵሉ ምስልታት ጣዖታታ ኣብ ምድሪ ተሰባበረ” በለ።
ሽዑ ምልኣት ሃብቲ ባሕሪ ናባኺ ኽምለስ፥ ሃብቲ ኣህዛብ ከዓ፥ ናባኺ ኽመፅእ እዩሞ፥ ርኢኺ ደስ ክብለኪ እዩ፤ ልብኺውን ክድነቕን ክሰፍሕን እዩ።
ኣብ ዙርያኣ ዄንኩም ‘ኢዳ ሃበት፤ ዕርዳ ወደቐ፤ ቅፅራ ፈረሰ፤ እዙይ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ሕነኣ ፍደይዋ፥ ኢዳ ሂባ፥ ግምብታት ወዲቖም፥ ቅፅርታት ፈሪሶም’ ኢልኩም ድምፂ ኣስምዑ።
“ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኣውርዩን ኣውጁን፤ ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ፤ እንተይሓባእኹም ከዓ ‘ባቢሎን ተትሒዛ፥ ጣዖት ቤል ተዋረደ፤ ጣዖት ሜሮዳክ ተሰባቢሩ፤ ምስልታታ ተዋረዱ፤ ጣዖታታ ተሰባበሩ’ ኢልኩም ኣውጁ።
ንሳቶም ከንቱ ናይ ባጫ ኣቑሑ እዮም፤ ፍርዲ ኽመፆም እንተሎ ኽጠፍኡ እዮም።
ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን በልዐኒ፤ ከፋፈለኒውን፤ ከም ባዶ ኣቕሓ ድማ ገበረኒ፤ ከም ገበል ከዓ ወሓጠኒ፤ በቲ ዘዝጠዓመ ምግበይ ድማ ኸብዱ መልአ፤ ደርበየኒውን።
ስለዙይ፥ እንሆ፥ ነቲ ቕሩፅ ጣዖታት ባቢሎን ዝቐፅዐላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ፤ ኵላ እታ ምድሪ ኸዓ ኽትሓፍር እያ፤ ኵሎም እቶም ዝተሓርዱ ኣብ ማእኸላ ኽወድቁ እዮም።
ባቢሎን ክሳዕ ሰማይ እኳ እንተ ደየበት፥ ልዕልና ሓይላውን እንተፅንዐት፥ ካባይ መጥፋእቲ ኽመፅዋ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እቲ ገፊሕ ቅፅርታት ባቢሎን፥ ፈፂሙ ኽፈርስ እዩ፤ እቲ ነዊሕ መዓፁኣ ኸዓ፥ ብሓዊ ኽነድድ እዩ። ህዝብታት ንኸንቱ ኽሰርሑ እዮም፤ ኣህዛብ ከዓ ንሓዊ ኽደኽሙ እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”
እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ኣቑሑ ኸፊሉ፥ ንናቡከደነፆር ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። ንሱ ኸዓ ነቶም ዝማረኾም፥ ናብ ሰናዖር ናብ ቤት ኣማልኽቱ ወሰዶም፤ ነቲ ኣቑሑውን፥ ኣብ ቤት መዛግብቲ ኣማልኽቱ ኣእተዎ።
“ሕዚ ኸዓ ኸምኡ ገይሩ ኸናግፍ ዝኽእል ካልእ ኣምላኽ የለን እሞ፥ ዝኾነ ይኹን ካብ ኵሎም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን፥ ንኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ክፉእ ቃል ዝናገር፥ ንሱ ኽቈራረፅ፥ ቤቱ ኸዓ መደርበዪ ጐሓፍ ክኸውን ኣዚዘ ኣለኹ” በለ።
ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ናብ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን፦ ሰላም ይብዝሐልኩም።
“ኦ ንጉስ፥ ዝዓበኻን ዝበርታዕኻን ንስኻ ኢኻ፤ ዕቤትካ ኽሳዕ ሰማይ በፅሐ፤ ግዝኣትካውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ሰፍሐ።
ስለዙይ ብዕቤቱ፥ ኵሎም ኣህዛብን ወገናትን፥ በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን፥ ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡን ይፈርሑን ነበሩ። ክቐትሎ ንዝደለየ ይቐትሎ፤ ብህይወት ክነብር ንዝደለዮ ይሓድጎ፤ ልዕል ከብሎ ንዝደለየ ልዕል የብሎ፤ ከዋርዶ ንዝደለየ የዋርዶ ነበረ።
ትርጕም እዘን ቃላት እዚኣተን ድማ ኸምዙይ እዩ፦ ‘ማኔ’ እግዚኣብሄር ንመዓልቲታት መንግስትኻ ፀብፂብወን እዩ፤ ንመንግስትኻ ኸዓ ወዲእዎ እዩ።
ዳርዮስ ሜዶናዊ ኸዓ፥ ወዲ ስሳን ክልተን ዓመት እንተሎ፥ ነታ መንግስቲ ወሰዳ።