41 እግዚኣብሄር ብዛዕባ ባቢሎን ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሼሻኸ ከመይ ተትሓዘት! እታ ንዅሉ ምድሪ ምስጋና ዝነበረት ከመይ ተወሰደት! ባቢሎን ንኣህዛብ ከመይ ኢላ መስደመሚት ኮነት!
ነዛ ልዕል ልዕል ኢላ ዝነበረት ቤት እናረአዩ፥ ኵሎም እቶም ብኣኣ ዝሓልፉ ሰባት ‘ስለ ምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ኣብዛ ሃገር እዚኣን፥ ኣብዛ ቤት እዚኣን ከምዙይ ዝገበረ?’ እናበሉ ኽግረሙ እዮም።
መንግስቲ ባቢሎን ዕንቊ መንግስታት፥ ኵርዓት ከለዳውያን እያ። ግና እግዚኣብሄር ከምቲ ንሰዶምን ገሞራን ዘፍረሰን ከፍርሳ እዩ።
ሽዑ ንንጉስ ባቢሎን ከምዙይ ኢልካ ኽትምስል ኢኻ፦ “እቲ ጨቋኒ ኸመይ ዓረፈ! ጭቘናኡኸ ኸመይ ኣብቅዐ!
ንዅሎም እቶም ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ዘለዉ ነገስታት ሰሜንን፥ ንዅሎም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘለዉ መንግስታት ዓለምን ካብቲ ፅዋዕ ኣስተኽዎም። ድሕሪ እዚኣቶም ከዓ ንጉስ ሼሻክ ካብኡ ኽሰቲ እዩ።
እታ ንእድቲ ኸተማ፥ እታ ናይ ሓጐሰይ ከተማ፥ ብኸመይ እያ ዘይተሓድገት?
ናይ ኵሉ ምድሪ መዶሻ ኸመይ ተሰብረት! ባቢሎንከ ኸመይ ደቐቐት! ኣብ ማእኸል ህዝቢ ኸዓ ኸመይ ዝባደመት ኮነት።
ባቢሎን ክትወድቕ እንተላ ምድሪ ኽተንቀጥቅጥ እያ፤ ኣውያታውን ኣብ ማእኸል ህዝብታት ክጋዋሕ እዩ።”
ባቢሎን ድማ ዅምራ እምንን ሰፈር ወኻሩን፥ ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ፥ መሰክሕን መላገፅን ክትከውን እያ።
እቶም ኣብ ደሴታት ዝነብሩ ዅሎም ብኣኺ ኽስክሑ፥ ነገስታቶም ከዓ ኽርዕዱ እዮም፤ ገፆምውን ክኽፋእ እዩ።
ደቂ ሰብን እንስሳ ዘገዳምን ኣዕዋፍ ሰማይን ዝነብሩሉ ዅሉ፥ ኣብ ኢድካ ሃበካ፤ ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ድማ ገዛኢ ገበረካ። እምበኣር እቲ ርእሲ ወርቂ ንስኻ ኢኻ።
“ኦ ንጉስ፥ ዝዓበኻን ዝበርታዕኻን ንስኻ ኢኻ፤ ዕቤትካ ኽሳዕ ሰማይ በፅሐ፤ ግዝኣትካውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ሰፍሐ።
“እዚኣ እታ ንኽብረይን ንግርማይን ርእሲ ኸተማይ ክትከውን ኢለ፥ ብሓይሊ ስልጣነይ ዝሃነፅክዋ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኮነትን?” በለ።
ኣብ ማእኸል እቶም እግዚኣብሄር ናብኣቶም ዘእተወኩም ኵሎም ኣህዛብ ከዓ፥ መገረሚን መመሰሊን መፅረፊን ክትኮኑ ኢኹም።