Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 51:39 - መፅሓፍ ቅዱስ

39 ምስ ረሰኑ፥ መስተ ኸቕርበሎም እየ፤ ክሕጐሱን ንሓዋሩ ድቃስ ክድቅሱን ክገብሮም እየ። ከቶውን ከይነቕሑ ኸስክሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 51:39
12 Referencias Cruzadas  

ፀላእተይ ስዒርናዮ ኸይብሉ፥ ኦ ኣምላኸይ፥ ተመልከተኒ ስምዐኒውን፤


ንስኻውን ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስተዩ፤ ስኸሩ፤ ትፍኡ፤ መሊስኩም ኣይትተስኡ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣነ ኣብ ማእኸልኩም ዝሰዶ ሰይፊ ውደቑ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ በለ፦ “ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኰሪዑ እዩሞ፥ ኣስክርዎ። ኣብ ትፍአቱውን ይንከባለል፤ መስሓቒውን ይኹን።


ኣነ ንመሳፍንታን ንጠቢባናን፥ ንኣሕሉቓን ንመኳንንታን ንጀጋኑኣን፥ ከስክሮም እየ፤ ንዘለኣለምውን ደቂሶም ከም ዘይነቕሑ፥ ክገብር እየ፤ ይብል እቲ ስሙ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝተብሃለ ንጉስ።


በታ ለይቲ እቲኣ፥ ብልጣሶር ንጉስ ባቢሎን ተቐትለ።


ምንም እኳ ንስንሳቶም ከም ዝተመሰቓቐለ እሾዅ እንተ ኾኑ፥ ብመስተኦምውን እንተ ሰኸሩ፥ ከም ንቑፅ ሓሰር፥ ፈፂሞም ክጠፍኡ እዮም።


ንስኺ ድማ ኽትሰኽሪ ኢኺ፤ ክትዋረዲ ኢኺ፤ ክትሕብኢ ድማ ኢኺ፤ ካብ ፀላኢ እትሃድምሉ ዕሩድ ቦታውን ኽትደልዪ ኢኺ።


ኦ ንጉስ ኣሶር፥ ሓለውትኻ ደቂሶም እዮም፤ መኳንንትኻውን ዓሪፎም እዮም፤ ህዝብኻውን ኣብ እምባታት ፋሕ በሉ፤ ዝእክቦም ድማ የለን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos