Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 51:32 - መፅሓፍ ቅዱስ

32 ፀላኢ ነቲ መሰጋገሪ ሩባ ኸም ዝሓዞ፥ ነቲ ዕርድታትውን ብሓዊ ኸም ዘንደዶ፥ ንሰራዊት ባቢሎን ከዓ፥ ድንጋፀ ኸም ዝወሓጦም ክነግርዎ ይጓየዩ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 51:32
7 Referencias Cruzadas  

ንመዓሙቝ ባሕሪ ‘ደረቕ ኩን’ ንሩባታትውን ‘ከንቅፆ እየ’ እብል ኣለኹ።


“እንሆ፥ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም፤ ሓዊ ኸዓ ኸቃፅሎም እዩ፤ ካብቲ ሓይሊ ሃልሃልታ ሓዊ ዝተልዓለ፥ ንርእሶም ከድሕኑ ኣይኽእሉን፤ እቲ ሓዊ ንሱ ሰብ ዝሞቖ ጓህሪ፥ ወይ ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ዝበሃለሉ ሓዊ ኣይኮነን።


ጀጋኑ ባቢሎን ምውጋእ ሓዲጎም፥ ኣብ ዕርድታቶም ተቐመጡ፤ ሓይሎም ተወዲኡ ኸም ኣንስቲ ኾኑ። መሸጐሪታት እታ ኸተማ ተሰባበረ፤ ኣባይታ ብሓዊ ነደደ።


ንንጉስ ባቢሎን ከተማኡ ብዅሉ ወገን ከም ዝተትሓዘት ከውርዩሉ፥ እቲ ሓደ ጐያዪ ናብቲ ሓደ ጐያዪ፥ እቲ ሓደ ልኡኽ ከዓ ናብቲ ሓደ ልኡኽ ክራኸብ ይጐዪ።


ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እታ ጓል ባቢሎን ከም ዝርገፅ ዘሎ ዓውዲ እያ፤ ቁሩብ ፀኒሑ ድማ ቐውዒ ኽመፃ እዩ።”


ሽዑ እታ ኸተማ ጋሕ ኢላ ተኸፍተት። ባቢሎናውያን ነታ ኸተማ ኸቢቦምዋ እኳ እንተ ነበሩ፥ ኵላቶም እቶም ተዋጋእቱ ብለይቲ መሊቖም ወፁ፤ በቲ ኣብ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ኣብ መንጎ ኽልተ መንደቕ ዘሎ ኣፍ ደገ ሓሊፎም ከዓ፥ ናብ ዓረባ ኣቢሎም ሃደሙ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos